ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

33 ክፍለ-ግዝኣታት ኣመሪካ ንህጻናት ዝጎድእ ትሕዝቶ ኣቕሪቡ ብምባል ንማሕበራዊ መራኸቢ ሜታ ከሲሰን


33 ክፍለ ግዝኣታት ኣመሪካ ማሕበራዊ መራኸቢ ሜታ ወልፊ ዘትሕዝ ኣቀራርባ ብምጥቃም ጥዕና ስነ ኣእምሮ መናእሰያት ይጎድእ ኣሎ ክብሉ ከሲሶምዎ።

እቲ ብሰሉስ 24 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ካሊፎርኒያ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኦክላንድ ዝቀረበ ክሲ ከምዘመልክቶ ሜታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኢንስተግራምን ፌስቡክን ኮነ ኢሉ ወልፊ ዘትሕዙ ባህርያት ከምዝፍኑን ካብ ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ድማ ብዘይ ፍቃድ ወለዶም ሓበሬታ ከምዝኣከበን ብምግላፅ ፌደራል ሕጊ ከምዝጠሓሰ ይገልፅ።

"ሜታ መኽሰባቱ ንምዕባይ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ርዝነት ሓደጋ ዝጥቀዖም ፍርያት ብተደጋጋሚ ንህዝቢ ከጋግይ ፀኒሑ እዩ። ብፌስቡክን ኢንስተግራምን ኣቢሉ ነቶም ቀንዲ ተቃላዕቲ ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ህፃናትን መንእሰያትን ተገልገልቱ ዝምዝምዘሉን ዝቆፃፀረሉን ሜላ ምሕብኡ ብዝገበርናዮ መርመራን ኣብቲ ካምፓኒ ካብ ዝሰርሑ ምንጭታትና ዝረኸብናዮ ሓበሬታን እቲ ትካል መርበባት ፌስቡክን ኢንስተግራምን ውሑድ ንዘይበሃል ቁፅሪ መናእሰይ ብፍላይ ድማ ኣዋልድ ይሃሲ ምህላዉ ከምዝፍለጥ ኣረጋጊፅና ኢና” ይብል።

ሜታ ነቲ ክሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ “ ዛጊት ልዕሊ 30 ዝኾኑ ንመናእሰያትን ስድረኦምን ዝሕግዙ መሳርሕታት ኣተኣታትየ” ኢሉ። እቲ ትካል ወሲኹ ውፅኢታዊ ዝኾነ ሙሉእ ብሙሉእ ንፁር ምስ ዕድመ ዝሰማማዕ ንመንእሰያት ዝጥቀሙሉ መዐቀኒ ኣተገባብራ ንምምዕባል ኣብ ክንዲ ምስራሕ ዓቀብቲ ሕጊ ነዚ መገዲ ምምራፆም ከምዝጉሃዪ ገሊፁ።

ንዋሽንግተን ዲሲ ሓዊሱ 41 ክፍላተ ግዝኣታት ኣንፃር ሜታ ክሲ መስሪተን ኣለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG