ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዓመታዊ መደረ ሰሉስ ምሸት ከቅርቡ‘ዮም


ፕረዚደንት በራክ ኦባማ
ፕረዚደንት በራክ ኦባማ
ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣እቲ ”ስቴት ኦፍ ዘ ዩንየን ኣድሬስ“ ተባሂሉ ዝግለፅ ዓመታዊ መደረ ንኣባላት ክልቲኦም ኣብያተ-ምኽሪ ሎሚ ሰሉስ ምሸት ከቅርቡ‘ዮም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ፣ኣብ ፃዕሪታት ምፍጣር ዕድላት ስራሕን ኣብ ሞንጎ ሃብታምን ድኻን ንዘሎ ኣፈላላይ ንምፅባብን ምስኦም ሓቢሮም ንክዓዩ ክፅውዑ‘ዮም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣይፋልናን ዝብሉ እንተኾይኖም ግና ንፕረዚደንታዊ ስልጣኖም ከምዝጥቀሙ ከፍልጡ‘ውን ትፅቢት ኣሎ።

ህዝቢ ኣሜሪካ፣ቤት ምኽሪን ፕረዚደንትን ተሓባቢሮም ክሰርሑ ኣይካኣሉን ዝብል ቅሬታ ኣለዎ።እዚ ኩነታት‘ዚ ንካልኣይ እዋን ስልጣን ፕረዚደንት ከምዕንቅፋት ኢሎም‘ውን ይገልፅዎ ደገፍቲን ተቃወምቲን።

ABC ዜናን ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስትን ዘካየድዎ ሓባራዊ መፅናዕቲ፣ ንፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዝቅበሉ ወይ ዝድግፉ ኣሜሪካውያን ኣብ 37 ሚእታዊ ከምዝርከብ ይሕብር።
XS
SM
MD
LG