ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትርጉምን ትሕዝቶን ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ኣሜሪካ


ፕረዚፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ
ፕረዚፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ብዛዕባ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኣዘዝዎ ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ገለ ነጥቢታት ክንሕብረኩም፣

ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ኣብ ኣሜሪካ እንታይ ማለት’ዩ?

ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ክትግበር ከሎ፣ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ እዋኑ ከርክብ ስለዘይኽእል ተባሂሉ ፕረዚደንት ስልጣን ንክረክብ ዝሕግዝ ኣዋጅ’ዩ። ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዛዕባ ፕረዚደንት ዝእውጆ ህጹጽ ጊዜ ዝጠቕሶ ነገር የለን።

ስለምንታይ’ዩ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ወሳኒ ድምጺ ኣብ ልዕሊ ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ዝህልዎ?

ከይዱ ከይዱ እቲ ሕቶ፣ ሕቶ ገንዘብን ስልጣንን ስለዝኾነ። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ‘ኣብ ልዕሊ ገንዘብ ስልጣን ዘለዎ ቤት ምኽሪ ወከልቲ’ዩ’።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ንፕረዚደንታዊ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ክቕልብስ’ዶ ይኽእል?

ብመሰረት ኣብ 1976 ዝጸደቐ ሕጊ፣ ቤት ምክሪ ወከልቲ ንፕረዚደንታዊ ኣዋጅ ክቕልብሶ ስልጣን ተዋሂብዎ’ሎ። ቤት ምኽሪ ወከልቲን ሴነትን ኣሜሪካ ብኣብዛሓ ድምጺ እንተወሲኖም ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ክቕልበስ ይኽእል’ዩ።

ዴሞክራሲያዊን ስለምንታይ’ዮም ኣብ ዶብ ምስ ሜክሲኮ ዘሎ ኩነታት ‘ህጹጽ ጊዜ ዝጠልብ ኣይኮነን’ ዳኣ ዝብሉ?

በዝሒ ናብ ኣሜሪካ ዝሰግሩ ስደተኛታት ይንክይ ኣሎ ባሃልቲ ስለዝኾኑ።

እቲ ኣዋጅ ኣብ ቤት ፍርዲ’ዶ ውዱቕ ክኾን’ዶ ይኽእል?

እዚ’ውን ካልእ ኣማራጺ’ዩ።16 ክፍለ ግዝኣታት ንኣዋጅ ፕረዚደንት በዲሆምዎ ኣለው። እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ምውሳድ ጊዜ ዝበልዕ’ዩ። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ግና ከሕጽሮ ይኽእል።

እቲ ውሳነ ክሓልፍ ክሳዕ ክንደይ ዕድል ኣለዎ?

ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ (ዴሞክራሲያዊያን ዝቆጻጸርዎ) ብቐሊሉ ክሓልፍ ይኽእል’ዩ። ኣብ’ቲ ሪፐብሊካዊያን ዝዕብልልዎ ሴነት ግና ከቢድ’ዩ።

XS
SM
MD
LG