ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ዜጋታታ ናብ ሱዳን ንዝገብርዎ መገሻ ዝምልከት መጠንቀቕታ ሂባ


ቤት ዕዮ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዜጋታቱ ናብ ሱዳን ዝገብርዎ መገሻ ዝምልከት መጠንቐቕታ ሂቡ።

ዜጋታት ኣሜሪካ ናብ ክፍለ ግዝኣት ዳርፉር፡ ብሉ ናይልን ደቡባዊ ኩርዱፋንን ካልኦት ከባቢታት ንምጋሽ ኣብ ዝወሰነሉ ኣቐዲሞም ክሓስብሉ ቤት ዕዮ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ መኺሩ’ሎ።

ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ናብ ርሑቅ ከባቢታት ንዝገሹ ኣገልግሎት ንምሃብ ዓቕሙ ዉሱን ምኳኑ ብምግላጽ ናብ ዝተጠቐሰን ካልኦት ከባቢታትን ቅድሚ ምጋሾም ብዛዕባ ሓደጋታት ግብረ ሽበራን ጎንጽታት ገበናትን ክሓስብሉ ቤት ዕዮ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መጠንቐቕታ ኣፍሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ እቲ መጠንቐቕታ ቤት ዕዮ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG