ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ፣ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ንከይገሹ የጠንቅቅ


ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ
ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ
ትርጉም ገለ ክፋል‘ቲ መግለፂ ቀፂሉ ቀሪቡ‘ሎ፣

ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ፣ዜጋታት ኣሜሪካ ናብ ኤርትራ እንተገይሾም ከጋጥሞም ንዝኽእል ሓደጋ ሎሚ‘ውን መጠንቀቂ ኣውፂኡ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዘይምቁራፅ ምንቅስቃስ ወፃእተኛታት ምስደረተ‘ዩ። ብሕልፊ ካብ ኣስመራ ወፃኢ ዝግበር ምንቅስቃስ።

ብሕልፊ ናብ ሃይማኖታዊ ትካላት ንኣብነት ናብ ገዳማት ዝግበር ምንቅስቃስ፣ዋላ‘ውን ኣብ ክሊ ዝተፈቀደ ከባቢ እንተኾነ ፍሉይ ፈቃድ ይሕተት‘ዩ።ነዚ ኣሰራርሓ‘ዚ ዘይተግብሩ ወፃእተኛታት ብሓይልታት ፀጥታ‘ታ ሃገር ተኣሲሮም‘ዮም።

ድርብ ዜግነት ዝሓዙ ኤርትራዊያን ኣሜሪካዊያን ተኣሲሮም‘ዮም፣ገሊኦም ብዘይ ገለ ምኽንያት ሎሚ‘ውን ተኣሲሮም ይኾኑ።እንድሕር ተኣሲርካ፣ ስለምንታይ ከምዝተኣሰርካ ከይተገለፀልካ ንነዊሕ ጊዜ ክትፀንሕ ትኽእል። ኩነታት ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣዝዩ ሕማቅ‘ዩ።እሱራት ኣብ ኣዝዩ ፀቢብ ክፍሊ ኣብ ኣልቦ-መፀራረዪ፣መደቀሲ፣መግቢን ፅሩይ ማይን ይነብሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዓሚ ጀሚሩ ንኤርትራውያን ኣውቶማቲክ ኣፅዋር እናዕጠቀ ብጉጅለ ምልሻታት ይውድቦም‘ሎ።እዞም ምልሻታት ለይቲ ናብ ሓለዋ ኣብ ዝወፅሉ እዋን ንመለለዪ መንነት ዝረኸብዎ ሰብ ክሓቱ ትእዛዝ ስለዝረኸቡ ኣሜሪካውያን ክጥንቀቁ እቲ ቤት ዕዮ ኣዘኻኺሩ‘ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ዝቆፃፀሮ ሚድያ፣ብሕልፊ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ካብ ዘንበረሉ 2009 ዓም ንዳሓር ኣንፃር ኣሜሪካ ፈነወታት ደጋጊሙ የቃልሕ‘ሎ።ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካውያን ዝቀንዐ ርኡይ ጥቅዓት ኣይተመዝገበን፣እንተኾነ ኣሜሪካውያን ጥንቃቀ ክገብሩ‘ለዎም ይብል።

ኣሜሪካውያን ኣብ ጥቃ ዶብ ኤርትራን ኢትዮዽያን ከምኡውን ደቡባዊ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ንከይኣትው ተሪር መጠንቀቂ ተዋሂብዎም‘ሎ።ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዘሰሓሕብ ዞባ ጥቃ ጂቡቲ ስሒቦም‘ዮም።ግን ውጥረት ሎሚ‘ውን ምስ ሓየለ‘ዩ።

ብባሕሪ ዝጓዓዙ ኣሜሪካውያን ዜጋታት ኣብ ማያት ኤርትራ ንከይኣትውን ዶባታ ንከይጥቀሙን‘ውን እቲ ምንስቴር ኣሜሪካ ዘውፀኦ መግለፂ የጠንቅቅ።

ነዚ መጠንቀቂ‘ዚ ሰሚዖም ግን ናብ ኤርትራ ክኣትው ዝወሰኑ ኣሜሪካውያን ቅድሚ ምብጋሶም ቪዛ ናይ ኤርትራ ክረኽቡ ተመራፂ‘ዩ።ቪዛ ከይሓዙ ናብ ኤርትራ ዝኣተው ኣሜሪካውያን ንከይኣትው ዝተከልከሉን ናብ ዝመፅሉ ከባቢ ዝተመለሱሉን ኩነታት ኣሎ።እንተኾነ ኤምባሲ ቪዛ ከይሓዙ ኣትዮም ተባሂሎም ንኣዋርሕ ዝተኣሰሩ ሰባት ምህላዎም ኣረጋጊፁ‘ዩ።

ብዘይካ‘ዚ ኣሜሪካዊ ዜግነት ዝሓዙ ሰባት ከምዝተኣሰሩን ንከይወፁ ከምዝተከልከሉን ዝሕብሩ ጭብጥታት ኣለዎ ኤምባሲ ኣሜሪካ።ድርብ ዜግነት ኤርትራን ኣሜሪካን ዘለዎምን ናይ ኤርትራ መለልዪ መንነት ሒዞም ናብ ኤርትራ ዝኣትው ሰባት፣መውፅኢ ቪዛ ንምርካብ ከምዝፅገሙ ተራእዩ‘ሎ።

ኣብ ኣስመራ ሕፅረት መግቢ፣ማይ፣ነዳዲን ዝቅባበን ዘስዐቦ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ስለዘጓነፈ ገበናት በርኪቱ‘ሎ።ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ፣ትሑት ክፍሊት ዝርከበሉን ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ፀቢብ ዕድል ስራሕ ተደሚሩ፣ገለ ኤርትራውያን ንስድረኦም ንምቅላብ ኢሎም ገበን ንክፍፅሙ ደሪኽዎም‘ሎ።ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን፣ንዝፍፀሙ ገበናት ንከፃርዩን ንተሓተቲ ክከሱን ዓቅሚ የብሎምን።

ነዚ ዝተዋሃበ መጠንቀቂ ከየቅለቡ ናብ ኤርትራ ክኣትው ዝወሰኑ ኣሜሪካውያን፣ኣብ‘ቲ Smart Traveler Enrollment Program ዝብል ኣትዮም ንክምዝገቡን ንእዋናዊ ሓበሬታ ክረኽቡን ኤምባሲ ኣሜሪካ የተባብዕ።

ኣብ ዘረባና፣ብዛዕባ‘ዚ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዝሃቦ እዋናዊ መጠንቀቅታ መገሻ ናብ ኤርትራ፣ምላሽ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክንረክብ ሓቲትና፣ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ክንድውለልኩም ኢና ድሕሪ ምባሎም ክሳብ‘ዚ ሰዓት‘ዚ ኣይተመለሱናን።
XS
SM
MD
LG