ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ኢትዮጵያ ብኣመሪካ ተደፊኣ`ያ መጥቃዕቲ ከፊታ ንዝበለቶ ኣመሪካ ሓቅነት የብሉን ክትብል ትምልስ


ኢትዮጵያ ብኣመሪካ ተደፊኣ`ያ ኣብ ግንባር ጾሮና መጥቃዕቲ ኣካይዳ ትብል ኤርትራ፡ ኣመሪካ ሓቅነት የብሉን ክትብል ትምልስ

ካብ ሚንስትሪ ወጻኢ ኤርትራ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝወጸ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ነቲ መጥቃዕቲ ንኽትከፍትን፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣጽዋራት ክትተክልን ኣመሪካ ደፋፊኣታ`ያ ይብል።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ግርማ ኣስመሮም ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ድማ፡ኣመሪካ መሻርኽተይ ንእትብላ ኢትዮጵያ ወተሃደራውን ቁጠባውን ሓገዛት ትገብረላ`ያ-ኢትዮጵያ ብግዲኣ ንኣመሪካ ኣብ ምግልጋል`ያ ዘላ ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ከርቢ ብወገኑ ፡ እቲ ክሲ ሓቅነት የብሉን ብምባል፡ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ብዝርከብ ኢምባሲታታን ካልእን ጌራ ርክብ ጌራ ከምዘላን፡ እተን ሃገራት ትዕግስቲ ክገብራን፡ ግጭት ከወግዳን ተተሓሳስበን ኣላ ኢሉ።

“ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ብኮሚሽን ዶብ ኣብ 2002 ዝተዋህበ ውሳነ ክትግብራን፡ ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት`ውን ድፍኢት ክገብራለንን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸ ሪፖርት መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ`ዩ” ኢሉ ጆን ከርቢ።

“ ንሕና`ውን ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ንምስሕሓብ ዶባተን ዝምልከት ዝኣተውኦ መብጽዓ ከኽብራ ንጽውዕ” ኢሉ እቲ ወሃቢ-ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ።

XS
SM
MD
LG