ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ፀብፃብ ሚኒስትሪ ጉ/ወጻኢ ኣሜሪካ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ


ሚኒስትሪ ጉ/ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዙሪያ ዓለም ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት በብዓመቱ ብዘውፅኦ ፀብፃብ መሰረት ናይ ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እውን ኣውፂኡ ኣሎ።4 ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልካል ኢትዮጵያን ሓይልታት ፀጥታ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ኵናትን ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ዝተናውሐ ግጭትን ከበድትን ሰፋሕትን መግሃስታት ምፍፃሞም እቲ ፀብፃብ ገሊፁ ኣሎ።

እቲ ዓመታዊ ፀብፃብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፅኦም ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብኣወንታዊ ለውጢ ዝተዓጀበ ነይሩ ይብል።መንግስቲ ብኽሕደት ተኸሲሶም ዝነበሩ ፖለቲካዊ መራሕቲ ናብ ሃገሮም ክኣትው ብምዕዳም ፖለቲካዊ ምንቅሳቓሶም ከሰጉሙ፣ናይ ምድጋፍን ምቅዋምን ሰልፍታት ምክያድ ብምፍቃድ፣ዓፈንቲ ሕግታት ብምምሕያሽን ወዘተ ለውጥታት ምክያዶም ይገልፅ።

ምኽፋት ፖለቲካዊ ሃዋህው ፈተነታት ከምዝገጠሞን እቲ ለውጢ ብዘፈር ፀጥታ ሓዊሱ ኣብ ትሕቲ ድኹም መሓውራት መንግስቲ እዩ ተኻይዱ።ናይ ዘርእታት ወጥሪ ወሲኹ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ቡዙሕ ህውከት ስዒቡ።ኣብ መንጎ ዜጋታት ሕድ ሕዶም ብዝተፈጥረ ህውከት ዓበይቲ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ተፈፂሞ ይብል እቲ ፀብፃብ።

4 ሕዳር 2020 ኣ\ፈ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ፀጥታ ህዝባዊ ወያነሓርነት ትግራይን ኣብ ክልል ትግራይ ብዝጀምረ ኵናትንን ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ዝተናውሐ ግጭትከበድትን ሰፋሕትን መግሃስታት ምፍፃሞም እቲ ፀብፃብ ገሊፁ ኣሎ። ብሓይልታት ፀጥታን ናይ ውልቂ ኣካላትን ዘይሕጋዊ ወይ ብሃበ ተረኽበ ምቕታል፣ሽሞም ብዘይፅዋዕ ዕጡቓት ጉጅለታት ብሓይሊ ምስዋር፣ምስቓይን ጭካነ ዝተመልኦም ተግባራትን፣ብመንግስቲ ኢሰብኣዊ ወይ ዘዋርዱ ኣተሓሕዛታት ወይ መቕፃዕቲ ምፍፃሞም ይግለፅ።

እቲ ፀብፃብ ብምስዓብ እቲ ውግእ ንብምሉኡ ክልል ትግራይ ተንኪፉዎ እዩ ኢሉ። ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ ብዘይካ መቐለ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣዚዩ ውሱን ተበፃሕነት ብምንባሩ ብዛዕባ ዝወረደ መጠን መግሃስቲ ንምፍላጥ ኣፀጋሚ ነይሩ ይብል እቲ ፀብፃብ።ኣብ ትግራይ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሓዊሱ ሰፊሕ ወራርን ዕንወትን መሰረተ ልምዓት ምፍፃሙ ብርክት ዝበሉ ፀብፃባት ቀሪቦም እዮም።

ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ፣ሓይልታት ፀጥታ ጎረቤት ክልላት፣ሰራዊት ኤርትራ፣ናይ ውልቂ ምልሺያታትን ሓይልታት ፀጥታ ህወሓትን ኩሎም ንሰብኣዊ መሰላት ጊሂሶምን በዲሎም እዮም ይብል እቲ ፀብፃብ።እቲ ግፍዒ ብዘይፍርዲ ምቕታል፣ፆታዊ ዓመፅ፣ ንስቪል ህዝቢ ብሓይሊ ምምዝባልን መስቀይቲ ምፍፃምን ዝሓወሰ እዩ።ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኣብ ብሃበ ተረኽበ ምእሳር ተፀሚዶም ከምዝነበሩ ፃብፃባት ኣለው። ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ዓለምለኸ ውድባት ሰብኣዊ ቅልውላው እናተኸሰተ ከምዝኾነን መሰረታዊ ቀረባት ምግብን ሕክምናን ንምሕጋዝ ምድላዎ ገሊፆ ም እዮም ይብል እቲ ዓመታዊ ፀብፃብ።

ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ከምዝኾኑን ይገልፅ እቲ መግለፂ።ኣብ ኣርባዕተ መዕቖቢ ስደተኛታት ሺመልባ፣ሕፃፅ፣ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን 96,000 ዝግመቱ ኤርትራዊያን ስ ደተኛታት ኣዕቒቦም ነይሮም።ሕፃፅን ሽመልባን ናብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፀግዑ ከምዝነበሩን ኣብ መወዳእታን ሕዳርን መጀመሪያ ታሕሳስን ግጭት ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን ምብፃሕ ስለዘይክኣል ብዘይ ምግቢ፣ማይን ቀረባት መድሓኒትን ኩነታት ናይቶም መዕቆቢ ስደተኛታት ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ እቲ ፀብፃብ ይሕብር።

መንግስቲ ካብ መዕቖቢ ማእኸላት ዝሃደሙ ስደተኛታት ብሓይሊ ይመልሶም ከምዝነበረ ዝገልፁ ፀብፃባት ኣለው።ናብ ኤርትራ ብኣስገዳድ ዝተመለሱ ከምዘለው እውን ፀብፃብ ኣሎ።ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ህወከት ከምዝተፈፀሙ ዝሕብሩ ፀብፃባት እውን ኣለው።

ካብዚ ብተወሳኺ ንህወት ሓደጋ ዝኸውን ናይ ማእሰርቲ ኩነታት፣ብሃበ ተረኽበ ምእሳር፣ምቕታል ስቪላት ዝሓወሰ ውሽጣዊ ግጭትን ከበድቲ መግሃስታትን ምፍፃም፣ከበድቲቲ ዝኾኑ ሓሳብ ናይ ምግላፅ ደረታት፣ንጋዜጠኛታት ምንክልባት፣ናይ ፕረስ፣ ኢንተርኔተን ምድራትን ምዕፃውን፣ምዕፃው ማሕበራዊ መራኸቢ፣ከበድቲ ተግባራት ግዕዝይና፣ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንትዮ ዝፍፀም ዓመፅ ምርመራ ዘይምክያድን ተሓታቲ ዘይምግባርን፣ዘርኢ ወይ ነገድ ዒላማ ፅገበሩ ገበናትን ምፍፃሞም ገሊፁ እቲ ፀብፃብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንዝግሃሱ ሰበስልጣን ንምኽሳስ ስጉምቲ ከምዘይወስድን ብስኣን ዓቕሚ መሓውራት መንግስቲ በደለኛታት መቕፃዕቲ ከምዘይረኽቡን ወሲኹ ይገልፅ እቲ ትካል።

እቲ ፀብፃብ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታን ህዝብን ዘሎ ርክብ ብምልዋጥ ተሓታትነት ንክህሊ መንግስቲ ኣወንታዊ ስጉምትታት ወሲዱ እዩ ይብል።ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ቤት ፅሕፈ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣካል መንግስቲ ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽንን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ብሓይልታት ፀጥታ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረቦ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር ምርመራ ኣካይዶም እዮም ይብል እቲ ዓመታዊ መግለፂ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዘይመንግስታዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን 29 ሰነ 2020 ኣ\ፈ ሞት ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈፀመ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ቅትልታ ንምምርማር መርመርቲ ናብ 40 ባቢታት ክልል ኦሮሚያ ልኢኾም እዮም።

27 ነሓሰ 2020 ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ኣብ ዘውፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ኣንሳሳ፣ሻሸመኔ፣ባሌ ሮቤ፣ጊንር፣ኣሰቦት፣ጪሮን ኣወዳይን ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ቂቲሎም።

ሞት ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘርኢ መሰረት ገይሩ ኣብ ዝነበረ ህውከትን ዕንወት ንብረትን 9,500 ዝግመቱ ሰባት ተኣሲሮም እዮም።

29ን 30 ሰነ 2020ኣ\ፈ ጉጅለታት መናእሰይ ኣብ ክልልኦሮሚያ ዞባታት ኣርሲን ባሌን ንገጠራት ኣጥቒዖም።ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ፌደራል ፖሊስ ኣብቲ ህውከት ተሳቲፎ ወይ ነቲ ህውከት ኣይተኸላኸሉን ብዝብል ን1,500 ሰበስልጣን ናይቲ ክልል ኣሲሩ።እቲ ፀብፃብ ወሲኹ ንምንፃል ዝቃለስ ዕጡቕ ኡጅለታት ናይ ምዕራብ፣ማእኸላይን ደቡባዊን ኦሮሚያ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ \ኦነግ ሸኔ\ ንስቪላትን ሰበስልጣን መንግስትን ቀቲሉ ይብል ዓመታዊ ፀብፃብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG