ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮዽያን ኤርትራን፣ብዓይኒ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ


US STATE DEPARTMENT
US STATE DEPARTMENT
ዓመታዊ ሪፖርት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራን ኢትዮዽያን ዘሻቅል ፀብፃብ ሒዙ ወፂኡ‘ሎ።ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፀኦ ናይ ሎም-ዘበን ገምጋም ሰብኣዊ መሰላት፣ንኣረኣእያን ተግባራትን 199 ሃገራት ዝሓቆፈ‘ዩ።

እቲ ሪፖርት፣ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ኩነታት ኩለን ሃገራት ከምዝፈላለ ይጠቅስ።እንተኾነ፣ዜጋታት፣ንክብሪ፣ቁጠባዊ ዕድላትን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ብፅሒት ንክህልዎም ዘለዎም ድልየት ዓብዪ ከምዝኾነ ይሕብር።

ንኣብነት ኢትዮዽያ ይብል እቲ ሪፖርት፣ሕጊ ፀረ-ፈጠራ-ራዕዲ ንጋዜጠኛታት ንምኽሳስ ከምዝትጥቀመሉ፣ጋዜጠኛ ውብሸት ታየ፣ርእዮት ኣለሙን እስክንድር ነጋን፣ነቲ ሕጊ ጥሒሶም ተባሂሎም ከምዝተኣሰሩ ይጠቅስ።ሽዱሽተ ካልኦት ጋዜጠኛታት ድማ ኣብ ዘይተረኽብሉ ገበነኛ ከምዝተባሃሉ ብሓፈሽ 31 ሰባት ተቃወምቲን ፖለቲከኛታትን ከምዝተኣሰሩ‘ውን እቲ ሪፖርት ገሊፁ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኤርትራ ዘውፀኦ ሪፖርት፣ብሓይልታት ፀጥታ ዝፍፀም ዘይሕጋዊ ቅትለት፣መግረፍቲ፣ኣሰቃቂ ኩነታት ኣብያተ-ማእሰርቲን ሞት ዘስዕብ ንእሱራት ምስ ሰብ ንከይራኸቡ ምግባርን ከምዝራኣይ ገሊፁ።

ንመንግስቲ ኣስመራ ንሲቪላዊ ናፅነት ከቢድ ደረት ኣንቢሩ፣ንናፅነት ምዝራብ፣ሚድያን ሃይማኖትን ደሪቱ ኢሉ ይከስስ ሪፖርት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ።

ኢትዮዽያ ሎሚ‘ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ቀንዲ መሻርኽቲ ኣሜሪካ’ያ። ብዘይካ‘ዚ፣ኣሜሪካ እታ ዝዓበየት ንኢትዮዽያ ደገፍ ትልግሰላ ሃገር‘ውን‘ያ። ዓመታዊ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ንኢትዮዽያ ትልግሰላ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:43 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG