ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስተር ወፃኢ ኣሜሪካ፣ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝገምገመሉ ዓመታዊ ሪፖርት


መንግስቲ ኢትዮጵያ ናጽነት ሚዲያ ይግድብ፡ ጋዜጠኛታት ክንእሰር ኢና ኢሎም ስለ ዝፈርሑ ርእሰ-ምመያ ይገብሩ ይብል እቲ ሪፖርት

ኢትዮዽያ ብቀዳማይ ምንስትር መለስ ዜናዊን ኢህወደግን ትምራሕ ፈዴራላዊት ሪፐብሊክ ምኻና ዝጠቅስ ሪፖርት ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ፣ ኣብ‘ቲ 547 መናብር ዘለዎ ፓርላማ እቲ 545 ብኢህወዴግ ዝተታሓዘ‘ዩ ይብል።

መንግስቲ ኢትዮዽያን ወከልቱን፣ዓሚ ፖለቲካዊ ቅትለት ንምፍፃሞም ዝሕብር ሪፖርት የለን።ሁማን ራይት ዋች ግና፣ኣብ እዋን ፕሮግራም ሰፈራ ብጠንቂ ዝተፈፀመ መውቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም ኢሉ‘ሎ።

መንቀሊኡ ፖለቲካ ዝኾነ ምስዋር ኣብ‘ታ ዝሓለፈት ዓመት ኣይተኸሰተን። ሓይልታት ፀጥታ ንኣባላት ተቃወምቲ ንዘይተወሰነ ጊዜ ከምዝኣሰሩ ዝሕብሩ እሙናት ሪፖርታት ኣለው።

ዛዕባ ምሕረት ኣብ ዝገለፀሉ ገፅ ድማ፣ካብ ግዳያት ቀይሕ ራዕዲ ዝቀረበ ተቃውሞ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፣መንግስቲ ኢትዮዽያ ን23 ብሞት ንክቅፅዑ ዝተበየኖም ሰበ-ስልጣን ደርግ፣ፍርዶም ናብ ሙሉእ ዕድመ ማእሰርቲ ነክዩ። ተኣሲሮም ዝነበሩ 16 ሰበ-ስልጣን ነበር ክፍትሑ ገይሩ‘ዩ።

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት፣ኢትዮዽያ 290,304 ስደተኛታት ተታኣናግድ‘ላ።ኣስታት 185 ሽሕ ሶማልያውያን፣ኣስታት 55 ሽሕ ኤርትራውያን፣ኣስታት 46 ሽሕ ሱዳናዊያን‘ዮም።ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓተቲ ዕቁባ፣ወርሓዊ ክሳብ ሓደ ሽሕ ናብ ኢትዮዽያ ይኣትው ኣለው ይብል ትካል ስዱዳት ሕቡራት ሃገራት።ብዘይካ‘ዚ ካብ ካምፕ ወፃኢ ምንባር ዝብል ፖሊስ መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ሎም-ዘበን‘ውን ቀፂሉ‘ሎ። ስደተኛታት ንክሰርሑ ግና ኣይፍቀደሎምን።

ንኻልኦት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት`ውን ዝጠቓቐሰ ምሉእ ጸብጻብ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG