ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘውጽኦ ሪፖርት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት


መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና እቲ ሪፖርት ንዒቅካ ዝሕለፍ'ዩይብል

ኣብ ኢትዮጵያ ዓሚ ካብ ሞንጎ ዝተፈፀሙ መግሃስቲታት ሓደ ከየፃረኻ ምቅታል፣ መግረፍቲ፣መውቃዕቲን ንኣባላት ተቃወምቲ ምንክልባትን ምእሳርን ይርከቦ።ብሕልፊ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስን ምልሻታትን መጥቃዕቲን ሕነ ምፍዳይን ፈፂሞም።ሕማቅ ኩነታት ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ተቃወምቲ እዮም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ዜጋታት ዝተፈፀመ ጥቅዓት ተጠቂሱ‘ሎ።

ከይተኸሰስካ ተኣሲርካ ምቅናይ፣ናይ ዜጋታት መሰላት ምግሃስ፣ዘይሕጋዊ ተፍታሽ መንበሪ ገዛ፣ኣብ ውግእ ኣንፃር ደባይ ተዋጋእቲ ዘይተመጣጣኒ ሓይሊ ምጥቃም፣መሰል ምዝራብን ሚድያን ምድራት፣ማእሰርቲን ምውራድን ጋዜጠኛታት፣ብገዛኢ ፓርቲ ዝፍፀም ምፍርራሕ፣ኣብ እዋን ምርጫ ህውከት ምፍጣር ተኸሲቱ‘ሎ።


ፖሊስ፣ኣማሓደርቲን ኣብ ዘፈር ፍትሒ ዝኽሰት ፀገም ጉቦ፣ንማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ምፍርራሕ፣ዓመፅን በደልን ኣንፃር ደቂ-ኣነስትዮን ህፃናትን፣ግዝረት ደቂ-ኣነስትዮ፣ህፃናት ንቁጠባዊን ፆታዊ ብህጎን ምምዝማዝ፣ናይ ሰባት ምዝውዋር፣ኣብ ልዕሊ ስንኩላን፣ውሑዳት ሃይማኖታትን ዓሌትን ዝፍፀም ግፍዒ፣ኣስገዳድ ሸቅሊ ናይ ህፃናት ሸቅልን፣ናይ መንግስቲ ኣብ ተግባራት ማሕበራት ሰራሕተኛታት ጣልቃ ምእታው ተራእዩ‘ዩ ዓሚ።


እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ኢትዮጵያ ከምቲ ንክልተ ዓመታት ትገብሮ ዝነበረት ሎም-ዘበን ንዓመታዊ ሪፖርት ሰብኣዊ መሰላት ዩ-ስ፣ መልሲ ከምዘይትህብ ኣፍሊጣ።ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ ኢትዮጵያ ነቶም ክስታት መልሲ ናይምሃብ ውጥን የብላን ይብል።
ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ እቲ ዝወፀ ናይ ዩ-ስ ሪፖርት ንመልሲ ዘይበቅዕን ንዒቅካ ክግደፍ ዘለዎን’ዩ ኢሎም።


“ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስ ሰበ ስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ተደጋጋሚ ኣኼባታት ብምክያድ ተዘራሪብና ኢና።ኣብ መብዛሕተኦም ጉዳያት ዝተረዳዳእና መሲሉና ነይሩ።እቲ ዝገበርናዮ ምይይጥ ኣብ ግምት ዘይኣቱ እንተድኣ ኮይኑ ከም ሓደ ክሕግዘና ዝኽእል ሪፖርት ምቕባል ኣየድልን ማለት’ዩ። ስለዚ ነቲ ሪፖርት ምሉእ ብምሉእ ነፂግናዮ’ለና”ኢሎም።


እቲ ሪፖርት ነቲ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ዋሽንግተንን ዘሎ ፅቡቕ ርክብ ከምዘይጎድኦ’ውን ሓቢሮም።ነቲ ሪፖርት እምበር ንዩናይትድ ስቴትስ ኣይነፀግናን ይብሉ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

XS
SM
MD
LG