ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንፈጸምቲ ግፍዒ ናብ ፍርዲ ንከቅርብዎም’ US ጸዊዓ


US Department of State
US Department of State

ሚኒስቴር ወጻኢ ኣሜሪካ ትማሊ ቀዳም ንኩነተ ቀረብን ይራኣይ ኣሎ ዝበሎ ዓንቀፍቀፍን ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ትግራይ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ።

ብመሰረት’ቲ መግለጺ ‘ወትሃደራዊ ሓይልታት፣ ናብ ገሊኡ ዞባታት ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንከይኣትዉ ዝዓገቱሉን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝተረጋገጸ ጸገማትን ንዩናይትድ ስቴትስ ኣተሓሳሲብዋ ኣሎ። እዚ ተቐባልነት ዘይብሉ ኩነታት’ዚ፣ ን5.2 ሚልዮን ተጸባዪ ረድኤት ዝኾነ ህዝቢ'ቲ ክልል ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ እዩ’ ይብል።

‘ዩናይትድ ስቴትስ ኣመሪካ’ ይብል እቲ መግለጺ ‘መንግስትታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ዘዋፈርዎም ሓይልታት፣ ይፍጽምዎ ኣለው ዝበሎ ‘ተነቃፋይ ተግባር’ ንኸቋርጽዎ ኣድላዪ ስጕምትታት ንክወስዱ ብዘየማትእ መገዲ ጻውዒት ተቅርብ ኣላ። ብተወሳኺ፣ ኩሎም ሓይልታት፣ ኣብ ትሕቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊታት ንዘሎ ግዴታታት እንኮላይ ነቲ ንሰላማውያን ሰባት ካብ ጥቅዓት ንምክልኻል ዝምልከት ዝወጸ ክፍጽሙ፣ ውግእ ብህጹጽ ኸቋርጹ፣ ነቶም ዝሳቐዩን ሓገዝ ዘድልዮምን ህዝቢታት ረድኤት ንክረኽቡ ኩነታት ከመቻችው ንጽውዖም ኣለና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ እዚ መሪሕ ተራ ክህልዎ፣ ትካላት ረድኤት ብህጹጽ ናብ ሙሉእ ትግራይ ብዘይ ዕንቅፋት ንኽኣትዉ ኸቀላጥፍን ኣለዎ’ ይብል ።

ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ኣብ ትግራይ ዘለው ዕጡቃት ሓይልታት፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዓመጽ ከም ዝፈጸሙ ዝገልጽ ብዙሕ ዘተኣማምኑ ጭብጢታት ኣሎ። ገለ ኻብ’ዞም ገበናት'ዚኦም፣ ኣብ ጾታ ዝተመርኰሰ ዓመጽን ካልእ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕሱ ግፍዕታትን ኢዮም። ብፍላይ ተግባራት ወትሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ዝገበርዎ ዝኸፍአ ተግባር ተጠቃሲ እዩ። ህላዌ ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፣ ንህድኣትን ሓድነትን ኢትዮጵያ መሊሱ ዘዳኽሞ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ፣ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ንከወጽኦም ደጊምና ጻውዒት ነቅርብ ኣለና’ ኢሉ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ‘ሰበ-ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ እዩ ኢሎም ቃል ዋላ’ውን እንተኣተው፣ ነዚ ንምፍጻም ግን ዋላ ሓንቲ ዝተገብረ ምንቅስቓስ ኣይረኣናን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ንሓይልታት ክልል ኣምሓራ፣ ካብ ክልል ትግራይ ከውጸኦምን፣ ምዕራባዊ ትግራይ ናብ ትሕቲ ቁጽጽር ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ንክምለስን ንክሰርሕ ንምሕጸን ኣለና’ ይብል።

ሚኒስቴር ወጻኢ ኣሜሪካ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዘሕለፎ መጸዋዕታ 'ፈጸምቲ ግፍዒ ብሙልኦም ናብ ፍርዲ ግድን ኣቅርቡዎም’ ኢሉዎም ኣሎ።

XS
SM
MD
LG