ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ብዛዕባ ቅትለት ኣስታት 30 ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሊብያ ይዛረብ


ዳዕሽ ጨንፈር ሊብያ ዝፈጠሮ ስግኣት፣ኣሚሪካ ኣዕዚዛ ከምትሪኦ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ-ቃል’ቲ ቤት ዕዮ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 30 ኢቶይጵያዊያን ኣብ ሊብያ ዝተፈፀመ ግፍዒ ሪኢቶ ንክህቡ ዝተሓተቱ ጀፍ ራትኪ፣ኣሜሪካ ኣብ ግጥም ፀረ ዳዕሽ ምስ መሻርኽታ ኣላ ኢሎም፣

“ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክንዛረብ እንተኾይኑ፣ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ሞንጎ ዊንድይ ሸርማንንን ኢትዮጵያዊ መዘነአንን ኣብ ኣዲሳበባ ዝላዓለ ዝርርብ ተካይዱ’ሎ። ስለዚ፣እዚ ስግኣት’ዚ ክብ ኣቢልና ኢና ንምልከቶ ምስ መሻርኽትና’ውን ሓቢርና ክንሰርሓሉ ኢና” ይብል ወሃቢቃል’ቲ ቤት ዕዮ።

ኣንፃር ኣይሲል (ዳዕሽ) ሰፊሕ ዝመሰረቱ ወፍሪ ተኸፊቱ ከምዘሎ ዝጠቀሱ እቶም ወሃቢ-ቃል፣ኣብ ሶርያን ዒራቅን ዝተኸፍተ ውግእ ኣካል’ቲ ውግእ ምኻኑ’ውን ጠቂሶም።

XS
SM
MD
LG