ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ ስሙያት ኣመሪካውያን ዓሪፎም


ፓት ካሮል -ፋይል
ፓት ካሮል -ፋይል

ኣብ ቀረባ መዓልታት ሰለስተ ኣዝዮም ህቡባት ኣመሪካውያን ብሞት ተፈልዮም። ህቡብ ተጻዋቲ ኵዕሶ ሰኪዐት ዝነበሩን ንሓሙሽተ ግዜ ዝበለጸ ተጻዋቲ ተባሂሎም ዝተሸለሙን ቢል ራሰል ኣብ መበል 88 ዓመቶም ክዓርፉ እንከለዉ፡ ኣብ ስታር-ትረክን ካልእን እትዋሳእ ኒሸል ኒኮልስ ኣብ መበል 89 ዓመተን ከምኡ’ውን ተዋሳኢ ፓት ካሮል ኣብ መበል 95 ዓመተን ዓሪፎም።

ብፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ተሸላሚ መዳልያ ናጽነት ዝዀኑ ራሰል፡ ብዘይካ’ቲ ናይ ኵዕሶ ሰኪዐት (ባስኬትቦል) ኣበርክቶኦም ኣብ ምንቅስቓስ መሰል ጸለምቲ መሪሕ ተራ ከም ዝነበሮምን ኣብ ማርቲን ሉተር ኪንግ ነታ “ሕልሚ ኣሎኒ” እትብል ህብብቲ መደረኦም ኣብ ዘስምዑሉ ኣብ ጎድኑ ደው ኢሎም ከም ዝነብሩን ይፍለጥ።

ኣብ ስታር-ትረክን ካልእን ዝዓየየት ኒሸል ኒኮልስ’ውን ኣብ መፍረ ፊልም ሆልይዉድ ንጸለምቲ ተዋሳእቲ ቦታ ዝኸፈተት ምንባራ ትጥቀስ።

ፓት ካሮል ድማ ንዓሰርታት ዓመታት ዝኸደ ኣብ ቴለቪዥን ናይ ምውሳእ ተራ ተጻዊተን’የን።

XS
SM
MD
LG