ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊሲ 'ስትራተጂካዊ ዓቕሊ ምግባር' ምስ ሰሜን ኮርያ ኣይሰርሐን ኢሎም ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ

Bageri rade na gradilištu nove bolnice koja se gradi nakon 10 hatoičnih dana, a kako bi lečili pacijente od epidemije virusa u gradu Vuhan, u centralnoj kineskoj provinciji Hubei.
Bageri rade na gradilištu nove bolnice koja se gradi nakon 10 hatoičnih dana, a kako bi lečili pacijente od epidemije virusa u gradu Vuhan, u centralnoj kineskoj provinciji Hubei.

ኣሜሪካ ነቲ ሰሜን ኮርያ ዝፈጠረቶ ስግኣት ንዩኩለራዊ ኣጽዋር ንምቁጽጻር መታን፣ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ይትግብርዎ ዝነበረ ፖሊሲ ‘ስትራተጂካዊ ዓቕሊ ምግባር’ ተቐልቢሱ ‘ሓይሊ ዝሕወሶ ግብሪ’ ከምዝትግበር ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።

ረክስ ቲለርሰን ሎሚ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ክሳዕ ዝካኣለኒ ንጹር ክኾን ይደሊ’የ፣ ስትራተጂካዊ ዓቕሊ ምግባር ኣብቒዑ’ዩ፣ ደጊም ኩሎም ኣማራጺታት ክንጥቅመሎም ኢና’ ኢሎም።

ሚስተር ቲለርሰን ቅድሚ ኣብ ጥቓ ዞባ ጸጥታ ዶባት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ዝተዋፈሩ ሰራዊት ኣሜሪካ ምርኻቦም ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊ ኣሜሪካ ተዘራሪቦም ኣለው።

ብዘይካ’ዚ ምስ ጊዚያዊ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያን ምስ ሚኒስትር ወጻኢን እታ ሃገርን እውን ተማኺሮም’ዮም።

‘ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ዝተፈጸሙ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲን፣ ንሰሜን ኮርያ ምቅብጣርን ኣይሰርሑን’ ኢሎም ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ።

XS
SM
MD
LG