ዋሽንግተን —
መንግስቲ ሶማሊያ ምስ ሰራዊት ኣመሪካ ብምትሕብባር ብዘካየዶ ስርሒት 10 ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ምቕታሉ ኣፍሊጡ።
ሚንስትሪ ሓበሬታ ሶማሊያ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እቲ ስርሒት ብኣንፈት ሰሜን ምዕራብ ኪስማዮ 60 ኪ.ሜትር ምክያዱ ሓቢሩ'ሎ።
እቲ መግለፂ ‘’እዚ ስርሒት እዚ መጥቓዕቲ ንምፍፃም ትልሚ የውፅእ ንዝነበረ ኻዋሪ ንዝተባህለ ጉጅለ ኣዕኒ'ዩ። ኣብቲ ስርሒት ስቪላት ኣይተጎድኡን’’ ኢሉ ።
ሰራዊት ኣመሪካ ብወገኑ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ጥቓ ከተማ ኩንዮ ባሮው ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ላዕለዋይ መራሒ ኣል-ሸባብ ሞሓመድ ሚረ ተቐቲሉ ክብል ኣረጋጊፁዎ ኣሎ።
ቅጥዒ