ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ሱማሊያ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ልዕሉ ስራሕ ይፍፅም ኣሎ ክብላ ሓንቲ ብዓልቲ ስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ገሊፀን


 ወንዲ ሸርማን
ወንዲ ሸርማን
ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሓጋዚት ምስንቴር ወፃኢ ዊንዲ ሸርማን ሓድሽ ፓርላማ ሱማሊያ ነታ ሃገር ንምህናፅ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ልዑል ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ክብላ ንኢደን።
ንሰን ምስ ሹመት ፈለማየቲ ጓል ኣስንተይቲ ምንስቴር ወፃኢ እታ ሃገር ኣብ ዝተገጣጠመ ናይ ሞቓድሾ ዑደትን እየን ነዚ ዝገለፃ።
ኣምባሳደር ሸርማን ምስ ናይ ሱማሊያ ፕሬዝዳንት ሓሳን ሸኽ መሓመድን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን እታ ሃገር ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ ሞቓድሾ ዝተራኸባ ሳልሰይቲ ላዕለወይቲ ብዓልቲስልጣን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ እየን።
ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ኣብ ሱማሊያ ዑደት ዝፈፀማ ፈላመይቲ ዝለዓላ ብዓልቲ ስልጣን እውን እየን።
ናይሮቢ ኣብዝርከብ ዩኒቨርስቲ ኬንያታ ሎማዕንቲ ሰኒ ንተምሃሮን ንጋዜጠኛታትን እንትዛረባ ብሓድሽ ፓርላማ ኬንያ ዝተሰርሑ ብምምጓስ እታ ሃገር ምቑራፅ ተስፋ ከይኮነስ ኣብ ቅድሚኣ ብሩህ ተስፋ ኣሎ ኢለን።
ፓርላማ እታ ሃገር ኣኼብኡ ኣብ ናይ መኪና ደው መበሊ ይካየድ ህላዎም ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ ኢለን ንሰን።ናይ ሱማሊያ ናይ ፓርላማ ህንፃ ንዓመታት ብዝተኻየደ ኵናት ሕድ ሕድ እዩ ዓንዩ።
ሸርማን ኣብ ዘውፅእኦ መገልፂ ናይቲ ሓድሽ ካቢኔት ቀዳማይ ምንስቴር ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ምንስቴር ወፃኢ ገይሮም ምሕራዮም እውን ንኢደን።
ካብ ፑንትላንድ ዝመፃን ኣብ ሓደ እዋን ንፕሬዝዳንትነት ተወዳዲረን ዘይሰለጠን ፋውዚያ የሱፍ ሓጂ ኣዳም ንሱማሊያዊያን ደቂ ኣንስቶ ሓድሽ ዘበን ናይ ዝኾነ ካብኔት ኣካል ምዃነይ ክርዓትን ክብርን ይስምዐኒ ክብላ ንቪኦኤ ገሊፀን።
ብኹናት ሕድሕድ ዝተበላሸወ ምስሊ ሱማሊያ ኣብ ምቕያር ጊድአን ከምዝፃወታ’ውን ሓቢረን ኣለዋ።
እቲ 10 ኣባላት ዘለዎ ካብኔት ካልእቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣባል እውን ኣለዎ።ምንስቴር ማሕበራዊ ጉዳያት ሜሪያን ቓሲም ኣሕመድ።
XS
SM
MD
LG