ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ምስ ኣል-ሸባብ ዝተሰለፉ ክልተ ኣሜሪካዊ ንኽትሓዙ ሓበሬታ ንዝሃበ ሓሙሽተ ሚሊዮን ዶላር ክሽልም እየ ኢላ


Somalia Americans in Jihad
Somalia Americans in Jihad
ምንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ኣል-ሸባብ ዝተሰለፉ ናይ ኣሜሪካ ዜግነት ዘለዎም ክልተ ሰባት ኣበይ ከምዘለው ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ ሓሙሽተ ሚሊዮን ዶላር ሽልማት ከምዝህብ ኣፍሊጡ።ኣል-ኣምሪኪ ብዝብል ስም ዝፍለጥን ቪዲዮ፣ደርፊ ራፕን ቲወተርን ናይ ምጥቃም ዓብዪ ኽእለት ዘለዎ ሓደ ካብኦም ኣል-ኣምሪኪ እዩ።

ኦማር ሓማሚ ብዝብል ስም ይፍለጥ ዝነበረ ኣሜሪካዊ መንእሰይ ሎሚ ኣቡ ማንሱር ኣል-ኣምሪኪ ተባሂሉ ይፅዋዕ።ኣሜሪካዊ ማንሱር ማለት እዩ።

ትውልዲ ዓዱ ክፍለ ግዝኣት ኣላባማ ዝኾነ እዚ ኣኽራሪ ናብ ሱማሊያ ብምጉዓዝ ምስ ኣል-ሸባብ ዝተሓወሰ ኣብ 2006 ኣ/ፈ ነይሩ።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣል-ኣምሪኪን ካሊእ ኣብ ሱማሊያ ከምዘሎ ዝእመነሉ ኣሜሪካዊ ጅሃድ ሙስጣፋን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንኽውዕሉ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ ሓሙሽተ ሚሊዮን ዶላር ንምሽላም መዲባ’ላ።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ብዓል ስልጣን ደሕንነት ዲፕሎማሲ ኪርክ ራይስ እቲ ናይ ሽልማት ፕሮግራም ዩናይትድ ስቴትስ ኣንፃር ኣል-ሸባብን ናይ ወፃኢ ኮማንደራትን ዒላማ ንምግባር ናይ እተካይዶ ስትራተጂ ኣካል እዩ ኢሎም።’’ናይ ኣል-ሸባብ ቁልፊ መለምልትን መሪሕነት ናይ ወፃኢ ተዋጋእትን ሓበሬታ ንምርካብ ንፍትን ኢና።ንቕድሚት እውን ክንቕፅለሉ ኢና።’’

ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣል-ኣምሪኪ በመሰረት ብቲዊተርን ቪዲዮታትን ዝዘርግሖም መልእኽትታት ምስ መራሕቲ ኣል-ሸባብ ኣብ ጎነፅ ኣትዩ ከምዘሎ እዩ።ንህይወቱ ከምዝሰግእ እውን ገሊፁ’ሎ።

ኣል-ኣምሪኪ ሎሚ’ውን ኣብ ውሽጢ ሱማሊያ ከምዝርከብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ይኣምን።
XS
SM
MD
LG