ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ኬሪ ኣብ ሱማሊያ ዝገበርዎ ሓፂር ዑደት ፈፂሞም።ኣብ እዋን ዑደቶም ምስ ፕሬዝዳንትን ቀዳማይ ምንስቴርትን ሰማሊያ ተዘራሪቦም ኣለው።
ጆን ኬሪ ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ዑድት ብምፍፃም ኣብ ሱማሊያ ዝበፅሑ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ፈላማይ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኮይኖም ኣለው።ንኣስታት ሰለስተ ስዓትን ፈረቓን ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ዝገበርዎ ዑደት ቅድም ክብል ብወግዒ ኣይተኣወጀን።
መገሻ ጆን ኬሪ ንመንግስቲ ሱማሊያ ዘለዎም ደገፍ ንምግላፅን ኣብ ሱማሊያ ንዓቃቢ ሰላም ወታደራት ዘዋፅኣ ሃገራት እቲ ዞባ ንምምስጋንን እዩ ኢሎም ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ምንስቴር ወፃኢ።
ናይ ሱማሊያ ፕሬዝዳንት ሓሳን ሸኽ ማሕሙድን ቀዳማይ ምንስቴር ዖማር ዓብዲራሽድ ዓሊ ሻርማከን እዮም ንጆን ኬሪ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ሞቓድሾ ዝተቐበሉዎም።
ፕሬዝዳንት ማሕሙድ እዛ ስዓት እዚኣ ንዕና ዓባይ ትርጉም ኣለዋ ክብሉ ብምግላፅ ንጂን ኬሪ ኣመስጊኖምዎም።
ጆን ኬሪ ብወገኖም ሱማሊያ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ቀፃሊ ምዕባለ ክተመዝግብ ዘለዎም ተስፋ ብምግላፅ ምብፃሕ ምፍፃሞም ሕጉስ ምዃኖም ሓቢሮም።
ኬሪ ፀኒሖም ምስ ፕሬዝዳንት ዞባ ፑንትላንድን ምስ ግዚያዊ ፕሬዝዳንትታት ክልተ ዞባታትን እውን ተራኺቦም።’’ ዝተረኽቡ ዓበይቲ ምዕባለታት ሳላ ፃዕርታትን ኣስተዋፅኦን ከምኡ እውን ሓባራዊ ሓላፍነት ስለ ዝተሸከምኩም እዩ’’ እዩ ኢሎምዎም ኣለው ንመራሕቲ እቲ ዞባ።
ጄን ኬሪ ንኣባላት ስቪል ማሕብረሰብ እውን ንበይኖም ረኺቦምዎም ኣዘራሪቦምዎም ኣለው።
ጆን ኬሪ ንህዝቢ ሱማሊያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ‘’ኣብ ሱማሊያ ዑደት ዝፈፀመ ቀዳማይ ምንስቴር ወፃኢ ናይ ምዃን ዕድል ረኺበ።መስ መራሕቲ መንግስትን ወኪላት ስቪል ማሕበረሰብን እውን ተራኺበ ኣለኹ’’ኢሎም።
ምንስቴር ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ጆን ኬሪ ናብ ሱማሊያ ዝመፃሕኹ ሃገርኩም ናብ ምርግጋእ ስለዝተመልሰት እዩ እውን ኢሎም።