ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ድሕሪ ቅትለት ወታሃደራቱ ግብረ መልሲ ንምሃብ ይመራመር


ኣብ ዮርዳኖስ ዝተቐተሉ ኣመሪካዊያን ወታሃደራት
ኣብ ዮርዳኖስ ዝተቐተሉ ኣመሪካዊያን ወታሃደራት

መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ዮርዳኖስ ንሰለስተ ወተሃደራት ኣመሪካ ድሕሪ ምቕታሉ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ግብረ መልሲ ንምሃብ ይመራመር ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝመደበሮም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ጉጅለታት ከምዝፈጸምዎ ኣመሪካ ትኣምን። ሚንስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ ንተሓተቲ ዝበሎም ገለ ትካላት ኢራን ማዕቀብ ድሕሪ ምንባሩ፡ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ`ውን ብዛዕባ ክውሰድ ዝግብኦ ስጉምቲ ክትዕ ኣልዒሉ`ሎ።

ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ናብቶም ተሓተቲ ንጹር መልእኽቲ ኣብ ምብጻሕ ዝሰማምዑ `ኳ እንተኾኑ እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ ይወሰድ ኣብ ዝብል ግን ይገራጨዉ ኣለዉ።

ገለ ኣባላት ባይቶ ክሳብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝበጽሕ ስጉምቲ ክኸውን ከምዘለዎ`ውን ይጽውዑ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብወገኑ፡ ኢድ ከምዘይብሉ ምላሽ ሂቡ`ሎ።

እቶም ብድሮን ዝተቐተሉ ኣመሪካውያን ወተሃደራት፡ ኣባላት ናይቲ ኣብ ዮርዳኖስ ኮይኑ ንምንቅስቓስ ዳዕሽ ዝከታተል ወተሃደራዊ እዚ ኣመሪካ ዝነበሩ`ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG