ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ምስ ሓዳስ ሃገር ፓፑዋ ኒውጊኒ ስምምዕ ሽርክነት ጸጥታ ፈሪማ


ኣመሪካ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ምስ እትርከብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዝተባህለት ሃገር ሓዳስ ሃገር ሽርክነት ጸጥታ ፈሪማ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ምስ ቻይና ኣብ ተወዳደረሉ ዘላ እዋን`ዩ። ካብ ኣውስትራልያ ንሰሜን ትርከብ ኣስታት 10 ሚልየን ህዝቢ ዝነብራ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ስትራተጂካዊት ሃገር ክትከውን ከላ ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም`ውን መሪር ኲናት ዝተኻየደላ ደሴት`ያ።

ብመሰረት ሓበረታ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እቲ ስምምዕ ጸጥታዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕ ዓቕሚ ምክልኻል ፓፑዋ ኒው ጊኒ ንምሕያልን ዝዓለመ`ዩ። ዝርዝር`ቲ ስምምዕ ገና ወግዓዊ እንተዘይኮነ`ኳ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ብዛዕባ`ቲ ውዕል ብግልጺ ከፍልጥ ምዃኑ ሓቢሩ`ሎ። ኣመሪካ ኣብ ሰላምዊ ውቅያኖስ ህላዌኣ ንምስፋሕ ክተሰርሕ ጸኒሓ`ያ።

XS
SM
MD
LG