ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ አብ ኢትዮጵያ ዝነበረ መዓስከር ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዓጽያ


ኣሜሪካ ከም ኣካል ቃልሲ አንጻር ግብረ-ሽበራ አብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዝነበራ መዓስከር ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዓጽያቶ። እቲ መዓስከር ካብ መጀመርታ`ውን ብቀዋሚነት ኣይነበረን ኢለን ሓንቲ በዓልቲ ስልጣን ኢምባሲ ኣሜሪካ አብ ኢትዮጵያ።

ሰበ-ስልጣን ኢምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ሶኑይ ንድምጺ አሜሪካ ክፍሊ ቀርኒ አፍሪቃ አብ ዝሃብዎ ቃል፡ አብዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ወታሃደራዊ ፐርሰናል ኣሜሪካ ኣብቲ ቦታ ከምዘየለ ሓቢሮም።

ወሃቢት ቃል’ቲ ኢምባሲ ካትሪን ዲኦፕ ካብ ኣዲስ አበባ ኣብ 450 ኪ.ሜ ርሕቐት እትርከብ ከተማ አርባ ምንጭ ዝነበረ መዓስከር ኣብዚ እዋን’ዚ ህላውነቱ ኣድላይ ኣይኮነን ብዝብል ናይ ክልቲአን ሃገራት ምርድዳእን ውሳኔን እቲ መዓስከር ከምትዓጸወ ንድምጺ ኣሜሪካ አብ ዝጸሓፈቶ ናይ ኢሜል መልእኽቲ ገሊጻ’ላ።

እቲ መዓስከር አብ 2011 ዓ.ም.ፈ ኣንጻር እስላማዊ ጥርፉ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብ ሶማልያ ዝካየድ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ንምውፋር ሰብ-አልቦ ነፈርቲ ተባሂሉ’ዩ ተመስሪቱ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣሜሪካ፡ አብ ኢትዮጵያ ዝነበረ መዓስከር ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዓጽያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:23 0:00

XS
SM
MD
LG