ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኣመሪካ: ሃገራዊ ባጀት ብዘይምጽዳቑ ተዓጽዩ


ባይቶ ኣመሪካ
ባይቶ ኣመሪካ

ባይቶ ኣመሪካ ናይ 2018 ሃገራዊ ባጀት ብዘይምጽዳቑ: መንግስቲ ኣመሪካ ሎሚ ሰኑይ ንሳልሳይ መዓልቱ ተዓጽዩ ይርከብ።

ባይቶ ኣመሪካ ክሳብ ዝሓለፈ ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ ሃገራዊ ባጀት ከጽድቕ ብዘይምኽኣሉ ስዒቡ'ዩ መንግስቲ ኣመሪካ ክዕጾ ዝተገደደ።

ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኢሚንግረሽ: ብፍላይ ድማ ዳካ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ኣመሪካ ናይ ዝተወልዱ ደቂ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጉዳይ: ኣብ ሞንጎ ሰልፊ ደሞክራትን ሪፖብሊካውያንን ሓባራዊ ስምምዕ ክብጻሕ ስለዘይተኻእለ: ሃገራዊ ባጀት ኣመሪካ ክጸድቕ ኣይከኣለን።

ብመሰረት ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ: ልዕሊ 800 ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመሪካ በዚ ተወሲዱ ዘሎ ምዕጻው መንግስቲ ተጸልዮም ኣለው።ሎሚ ሰኑይ በዚ ምዕጻው መንግስቲ ኣመሪካ ትጽሎ ዘላ ናይ ፈለማ ናይ ስራሕ መዓልቲ እያ።

ንሓድሕዶም ከም ጠንቂ ናይዚ ምዕጻው መንግስቲ ክወናጀሉ ዝቐነዩ ካብ ክልቲኡ ሰልፍታት ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ እቲ ናብ ፍታሕ ዘቋመተ ጽምድኦም ሎሚውን ክቕጽልዩ።

ሎሚ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ ብኣቆጻጽራ ዋሺንግተን ዲሲ: ንመንግስታዊ ንጥፈታት ናብ ንቡር ክመልስ ዘኽእል ድምጺ ክወሃብ ምዃኑ ብተወሳኺ ተፈሊጡሎ።

ኣመሪካ ተመሳሳሊ ምዕጻው መንግስቲ ዝረኣየቶ ኣብ 2013 ኣብ እዋን መሪሕነት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ'ዩ።

XS
SM
MD
LG