ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ 20 ህፃውንትን ካልኦት ሸውዓተ ሰባትን ዝተፈፀመ ጭፍጨርፋ መዘራረቢ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ብምኽንያት ናይ ህፃውንቲ ጭፍጨፋ እንትነብዑ
ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ብምኽንያት ናይ ህፃውንቲ ጭፍጨፋ እንትነብዑ
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክፍለ ግዝኣት ከነቲኬት ኣብ ሓደ ቀዳማይ ቤት ትምህርቲ ዝተፈፀመ ጃምላዊ ጭፍጨፋ ከም ወለዲ ሓዘኖም ንምግላፅ ቃላት ከምዝሓፅሮም ክልተ ነበርቲ ኣሜሪካ ይገልፁ።

ኣቦ ክልተ ቆልዑን ነባሪ ዋሽንግተን ዲሲን ኣቶ ሓጎስ ስዩም መንግስቲ ናይ ዜጋታቱ ሰላምን ደሕንነትን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ስለዘለዎ መንግስቲ ኣሜሪካ ጥቡቕ ሕጊ ክወስፅእ ኣለዎ ኢሎም።
ኣቦ ክልተ ቆልዑን ነባሪ ኣሌግዛንደሪያ ቨርጂኒያን ዝኾኑ ኣቶ ኤርሚያስ ለኣከ ብወገኖም ከምዚ ዝበለ ጭፍጨፋ ብጉድለት ጥዕና ኣእምሮ፡ቆልዑ ኣብ ቪዲዮን ኢንተርኔትን ብዝምሃርዎ ተግባራት ምቕታልን ሕማቕ ነገርን ከምኡ’ውን ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሕጊ ቁፅፅር ጠበንጃ ልሕሉሕ ስለዝኾነ ኣብዚ መራኸቢ ብዙሃን ኣበርቲዐን ክሰርሓ ኣለወን ክብሉ ሓቢሮም።
XS
SM
MD
LG