ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ቆልዑ ንናይ ወጻኢ ዜጋታት መዕበይ ደው ክብል ዘሕለፈቶ ውሳኔ ዳግማይ ክትርእዮ ሰነተራትን አባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ጸዊዖም


ቤት ጽሕፈት ቤት ምክሪ ኣሜሪካ
ቤት ጽሕፈት ቤት ምክሪ ኣሜሪካ

ኣባላት ኮንግረስን ሰነተራትን ኣሜሪካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘሕለፎ ውሳነ ቆልዑ ብናይ ወጻኢ ዜጋታት ምዕባይ መስርሕ ደው ክብል ዘሕለፎ ውሳኔ ደጊሙ ንኸፅንዖ ሓቲቶም።መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕጋዊ መንገዲ ቆልዑ ንኸዕብዩዎም ቅድሚ እቲ ውሳነ ምሕላፍ ጉዳዮም ዝጀመሩ ስድራቤታት ንኽውድኡ ዝሓትት ደብዳበ እውን ንቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ፅሒፎም ኣለው።

74 አባላት ኮንግረስን 47 ሰነተራትን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብ ኣምባሳደር ግርማ ብሩ አቢሎም ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያ ደሳለኝ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ መንግስቲ ኢትዮጵያ አብ ዝሓለፈ 16 ሚያዝያ ዘሕለፎ ቆልዑ ንናይ ወጻኢ ዜጋታት ንመዕበይ ምሃብ ደው ክብል ዝብል መምርሒ አብ ከይዲ ንዘለው ልዕሊ 200 ኣሜሪካዊያን ስድራቤታትን ኢትዮጵያዊያን ህጻናትን ዘጉሃየ ውሳነ’ዩ ኢሎም ኣለው።

ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ውሳነ ደጊሙ ከጽንዖ ይግባእ ክብሉ’ውን ሓቲቶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምሉእ ትሕዝቶ'ቲ ደብዳበ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG