ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክሲ ብልሽውና ዝቐረበሎም ሰነተር መነንደዝ ስርሖም ክቕጽሉ ይሓቱ


ሰነተር መነንደዝ
ሰነተር መነንደዝ

ካብ ሰለስተ ነጋዶ ጉቦ(ብላዕ) ተቐቢሎም ዝብል ክሲ ዝቐረቦም ኣባል ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ሴነተር ቦብ መነንደዝ፣ "ኣይዋዓልኩዎን፣ ነቲ ዝቀረበ ክሲ በዲሄ፣ ገና ኣብ ቤት ምኽሪ ስርሓይ ክቅጽል እየ" ኢሎም።

ሴነተር ሜነንደዝ "ካብ ዘጋጠሙ ቅልሳት እቲ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ይፈልጥ እየ። እንተኾነ፣ ኩሉ ጊዜ ከምዝብሎ፣ ኩሉ መርተዖታት ዝባሃል ምስ ቀረበ፣ ነጻ ክወጽእ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ካብ ግዝኣት ኒውጀርሲ እቲ ዝነውሐ ዘመን ዘገልገለ ሴነተር ክሳብ ዝባሃል ክሰርሕ እየ" ኢሎም።

ሴነተር ባብ ሜነንደዝ፣ ካብ መንግስቲ ግብጺ ኣሻሓት ዶላራትን ኪሎ ግራማት ዝምዘን ወርቂን ተቐቢሎም ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝጥቀሱ ዘለው ነጋዶ ተጀሚሩ ንዝነበረ መስርሕ ምጽራይ ንክኹለፍ ጣልቃ ኣትዮም ዝብል ክሲ ቀሪብሎም ኣሎ።

እቶም ሴነተር ኣብ ካዝና ናይ ገዝኦም ዝተረኸበ ገንዘብ "ናይ ውልቀይ ገንዘብ’ምበር ዝተቐበልኩዎ ጉቦ ኣይኮነን" ይብሉ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG