ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ሪፓብሊካን ሰነት ኣመሪካ ሚች መኮነል ንሓጺር እዋን ናይ ሓንጎል ደውታ ከም ዘጋጠሞምን ተገሊጹ


መራሒ ሪፓብሊካን ሰነት ኣመሪካ ሚች መኮነል ትማሊ ረቡዕ ኣብ ግዝኣታ ከንታኪ ሕቶታት ጋዜጠኛታት ኣብ ዝምልስሉ ዝነበረ እዋን፡ ንሓጺር እዋን ናይ ሓንጎል ደውታ ከምዘጋጠሞምን ሕቶ ክምልሱ ከምዘይከኣሉን ተገሊጹ።

"ኣብ 2026 ዳግም ንምርጫ ብዛዕባ ምውድዳር እንታይ`ዩ ርኢቶኹም?" ዝብል ሕቶ ብሪፖርተር ምስ ቀረበሎም፡ "ርእይቶይ ብዛዕባ ምንታይ?" ክብሉ ድሕሪ ምምላስ፣ ሪፖርተር ከኣ ኣብ 2026 ዳግም ንሰነት ንምውድዳር ክትብል ሓቲታ። ድሕሪኡ መኮነል፡ 'ኦ..." ኢሎም ስቕ ኢሎም። ኣብ ጥቕኡ ዝነበረት ተሓጋጋዚት ድማ “ እቲ ሕቶ ሰሚዕኩሞ`ዶ ሰነተር፧ ብዛዕባ ዳግመ ምርጫ 2026 እዩ" ኢላ ከተብርሃሎም ድሕሪ ምፍታን፡ ይቕረታ ግበሩልና፡ ገለ ደቓይቕ ከድልየና`ዩ ኢላ።

ድሕሪ`ቲ ደውታ፡ መኮነል ሕቶታት ንምምላስ ቀጺሎም'ዮም፡ ቤት ጽሕፈቶም ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሓጺር ግዜ ርእሶም ፈኹስዎ ማለት ጽርውርው ኢልዎም ኔሩ`ዩ ፡ስለዚ ቅድሚ ዝቕጽል መደብ ምስ ሓኪሞም ክራኸቡ`ዩም ኢሉ።

እቲ ኣብ ሰነት መራሒ ሪፓብሊካን፡ ዝሓለፈ መጋቢት`ውን ኣብ ሓደ ኣብ ሆቴል ዝተገብረ ድራር ድሕሪ ምውዳቖም ርእሶም ተሃሪሞም ኔሮም`ዩ። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ ዓረብያ አካለ ጉዱኣት ክጥቀሙ ጸኒሖም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG