ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሴነት ዩናይትድ ስቴትስ 'ኣብ ትግራይ ተኹሲ ደው ንክብልን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጹን' ዝጽውዕ ውሳነ ኣሕሊፉ


US Senate
US Senate

ውሳነ ቁጽሪ 97 (S.Res.97) ዝብል ስም ዝረኸበን ሎሚ ሓሙስ ብሴነት ኣሜሪካ ዝጸደቐን ሕጊ ዩናይትድ ስቴትስ፣ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ዓንዲታት ዝሓዘ እዩ።

‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ካልኦት ተዋጋእቲ ሓይልታትን ኣብ ትግራይ ተኹሲ ደው ከብሉ፣ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩ፣ ሰብኣዊ ቀረባት ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክተሓላለፍ፣ ጭቡጥ መርተዖ ዝቀረበሎምን ተፈጺሞም ዝባሃሉን ግፍዒታት ነጻ ኣካል ንከጻርዮም ምትሕብባር’ ዝብሉ እዮም።

ውሳነ ሴነት ዩናይትድ ስቴትስ፣ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ውጥረት፣ ናብ ውግእ ምዕራጉን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ንዝወረዱ ግፍዒታትን መግሃስቲን ኮኒኑ።

ብተወሳኺ፣ ኤርትራ ንሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ንክተውጽእ ይጽውዕ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ምቁራጽ ተጻብኦ ብህጹጽ ንክትግበር፣ ኣብ’ቲ ክልል ዝንቀሳቀሱ ሓይልታት፣ ሰብኣዊ መሰላት ንከኽብሩ ጸዊዑ ኣሎ ሴነት ኣሜሪካ።

ዝምልከቶም ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኣካላት፣ ውግእ ኣብ ትግራይ ደው ንክብልን ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዘተባብዑ ንጹር ስጉምቲ ንክውስዱ’ውን መጸዋዕታ ኣቅሪቡ ኣሎ ሴነት ኣሜሪካ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:43 0:00


XS
SM
MD
LG