ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ስለያን ፀረ-ግብረ-ሸበራን ኣሜሪካ፣ኣብ ሴነት ኣሜሪካ ቀሪቦም፣ብዛዕባ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ቤንጋዚ-ሊብያ ዘጓነፈ መጥቃዕቲ ኤምባሲ ኣሜሪካ ቃሎም ይህቡ‘ለው።

ሴኔት ኣብ ዕፁው ኣኼባ‘ዩ ነቲ ምርመራ ዘካይድ ዘሎ።ብጠንቂ‘ቲ ጥቅዓት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሊብያ ክርስቶፈር ስቲቨንስን ሰለስተ ካልኦት ኣሜሪካውያን ከምዝተቀትሉ ዝዝከር‘ዩ።

ብርክት ዝበሉ ኣባላት‘ቲ ቤት ምኽሪ፣ኣብ‘ቲ ኤምባሲ እኹል ሓለዋ ነይሩ እንተኾይኑ ይጠራጠሩ።ከምኡውን ምምሕዳር ኦባማ፣ነቲ መጥቃዕቲ ንከይዋረድ ኢሉ ንምሕባእን ፈቲኑ‘ዶ ይኸውን? እናበሉ ክሓቱ ፀኒሖም‘ዮም።
XS
SM
MD
LG