ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ሃገራት ኣፍሪቃ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንኽከላኸላ ትሕግዝ ከምዘላ ኣፍሊጣ


ኣሜሪካ ሃገራት ኣፍሪቃ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንኽከላኸላ ንምሕጋዝ ብኣማኢት ሚሊዮን ዶላር ዝቑጸር ንብረት ካብ ምዕቃብ ሰላምን ናብቲ ለበዳ ከምዘዞረት ተፈሊጡ። ግዚያዊ ሆስፒታላት፣ ኣምቡላንሳት፣ መተንፈሲ ኦክሲጂን /ቬንትለተራት/፣መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫ /ማስክ/ይርከቦ።

ኣፍሪቃ ክኢላታት ዘይተረፍ’ዩ ንዝበሉዎ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ትዳሎ ኣብ ዘላትሉ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዝተፈለየ መንገዲ ብቕልጡፍ ንምሕጋዝ ይፍትን ኣሎ።

ከም ግዚያዊሆስፒታላትን ናይ ሕክምና ናውትን ዝኣመሰሉ ሰላም ንምዕቃብ ዝተመድቡ ፀጋታት ኣንፃር እቲ ቫይረስ ምጥቃም ይሓውስ።

ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ቢሮ ፖለቲካዊን ወታደራውን ጉዳያት ክላርክ ኩፐር ‘’ንዓለምለኸ ዕቀባ ሰላም ዝተመደበ ናይ ሕክምና ናውቲ ከምኡ'ውን ምሃብ ስልጠና ንጋና፣ሩዋንዳ፣ሰኔጋልን ንኡጋንዳን ከም ዝኣመሰላ ሃገራት ብምቕራብ ኣብ ግብሪ ይውዕል ኣሎ።

ከምዚ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሕጂ እዋን ነገራት ከቢዱ ዘሎ እንተጋጥም ንመሻርኽትና ክንሕግዝ ፀኒሕና ኢና።ኣብ ዙሪያ ዓለም ብሰብኣዊ ሓገዝ ቁፅሪ ሓደ ምዃንና ኩርዓት ይስምዓና’’ ኢሎም።

ኣሜሪካ ኣብ 2014 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ለበዳ ኢቦላ ኣብ ዝተልዓለሉ እዋን እውን ንዕቀባ ሰላም መዲባቶ ዝነበረት ናውቲ ነቲ ቫይረስ ንምምካት ኣዚራ ተጠቒማትሉ እያ።

ኣሜሪካካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 30 ሚሊዮን ዶላር ንናይጀሪያ፣ልዕሊ 20 ሚሊዮን ዶላር ንዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ልዕሊ 23 ሚሊዮን ዶላር ንኢትዮጵያን ኣስታት 22 ሚሊዮንዶላር ንደቡብ ሱዳንን ሓዊሱ ነቲ ቫይረስ ንምምካት 270 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ለጊሳእያ።

ብኮሮናቫይረስ ኣዚያ ተጠቒዓ ንዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ 730,000 ናይ መለከላኸሊ ማስክ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ከምኡ እውን ኣስታት ሓደ ሽሕ ቬንትለተራት ለጊሳ ኣላ።

XS
SM
MD
LG