ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ምክልኻል ኣመሪካ ንፕረ. ሶማል ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም


ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስተን ሓባራዊ ርክብን ወታሃደራዊ ምትሕብባርን ብዝምልከት ንምዝርራብ ንፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሽሕ መሓሙድ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም።

ክልቲኦም መራሕቲ ንዞባዊ ስግኣታት ንምክልኻል ወታሃደራዊ ምትሕብባራት ንምቅፃል ብዛዕባ ዘሎ ኣጋጣሚታት ኣድላይነት ምዕባለ ዝምድና ኣብ መዳያት ምክልኻልን ንምምይያጥ ከምዝተራኸቡ’ዩ ተገሊፁ’ሎ።

ሶማል ኣብዚ እዋን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲን ትኸፍሎ ዘላ መስዋእቲን ኦስተን ንኢዶም።

መንግስቲ ሶማል ንሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ሓይሊ ኣፍሪቃ ንምንካይን ኣገባብ ፀጥታ ስግግር ንምግባርን ኣብ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣድላይነት ዓለምለኸ ምትሕብባርን ደገፍን ተሰማሚዖምሉ’ለዉ።

ሎይድ ኣስተን ወሲኾም ዘይምርግጋእ ሱዳንን ስግኣት ኣልሸባብን ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ቀፃሊ ተፃብኦታት ኣብ ግምት ብምእታው እዚ እዋን’ዚ ብፍሉይ ኣገዳሲ’ዩ ኢሎም።

“ሶማል ትመርሖ ኣብ ማእኸላይ ሶማል ዘሎ ፀረ-ኣልሸባብ ስርሒት ብቀፃሊ ይዕወት ምህላዉ ምስምዐይ ኣተባቢዑኒ” ዝበሉ ኦስተን ኣብዘን መዳያት ምትሕብባር ወሳኒ’ዩ ከም መሻርኽትን ከም ንርእስና ካብ ሓደገኛታት ሓይልታት ህውከት ንምክልኻልን ድልዋት ኢና ኢሎም።

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሕሙድ ብወገኖም ኣመሪካ ድልድልትን ዝተረጋገአትን ሶማል ንምህናፅ ብቀጻሊ ትገብሮ ወታሃደራዊን ሲቪላውን ምትሕብባር ኣመስጊኖም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG