ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ዝድምና እስራኤልን ስዑዲ ዓረብን ንምዝርራብ ናብ ስዑዲ ክገሹ'ዮም


ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ጃክ ሰሉቫን ኣብ መንጎ እስራኤልን ስዑዲ ዓረብን ንቡር ርክባት ንምምስራት ምስ መራሕቲ ስዑዲ ንምዝርራብ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ናብ ስዑዲ ዓረብ ክገሹ እዮም።

ሰሉቫን ነዚ ዘፈልጡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተኻየደ ሲምፖዚየም እዮም ።

ካብ ህንድን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ዝመፁ ወኪላት ከምዝዘራረቡ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ምምሕዳር ባይደን ካብ እስራኤል ናብ ስዑዲ ዓረብ ንሕጃ ቀጥታዊ በረራ ክህልው እዩ ክብል ምዝራቡ ይዝከር።

ኣመንቲ እስልምና እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ መካ ብሳልሳይ ሃገር ኣቢልዮም እዮም ዝጉዓዙ።

ስዑዲ ዓረብ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ዝጉዓዛ ነፈርቲ እስራኤል ብናይ ኣየር ግዝኣታ ኣቢለን ክበራ ክትፈቅድ ፀኒሓ እያ።

XS
SM
MD
LG