ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ይዋግኡ ኣብ ልዕሊ ዘለው ሓይልታት ‘ውሳነ ጄኖሳይድን፣ ተሓታትነትን’ ዝምልከት ውሳነ ሎሚ ሰሉስ ዘርጊሑ።
ብመሰረት’ዚ ነቲ ቤት ዕዮ ቅድሚ ክልተ ዓመት ታሕሳስ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝተወሰኑ ኣባላት ህጹጽ ወሃቢ ሓይሊን ሰራዊት ሱዳንን፣ ገበን ኹናት፣ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነትን ምጽናት ዓሌትን ከምዝፈጸሙ ዝገለጽሉ ብምጥቃስ፣ ብሕልፊ ዕጡቃት ህጹጽ ወሃቢ ሓገዝ፣ ኣብ ሱዳን ጄኖሳይድ (ጅምላዊ ህልቂት) ፈጺሞም እዮም ናብ ዝብል መደምደሚ ከምዝበጽሑ ሓቢሮም።
ኣንተኒ ብሊንከን መራሒ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ መሓመድ ሃምዳን ዳጋሎ(ሕሚቲ)፣ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን ስልታዊ ግፍዒ ኣብ ምፍጻም ንዝተጻወቶ ተራ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ምንባራ ኣፍሊጦም ኣለው።
ብዘይካ'ዚ፣ እቶም ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ዘለውን ኣባላት ህጹጽ ወሃቢ ሓገዝ ሓይሊ ዝውንንዎምን ኣጽዋር ዘቅብሉን ሸውዓተ ኩባንያታት ሓደ ውልቀሰብን ከምተኣገዱ እቲ ውሳነ ኣነጺሩ ኣሎ።ሕሚቲን ቤተሰቡን ናብ ኣመሪካ ንክኣትው ከምዘይፍቀደሎም’ውን ጠቂሱ ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ኵናት ሱዳን ጸግዒ ከምዘይትሕዝ ኣብ ልዕሊ መሪሕነትን ኣባላትን ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ዝተወሰደ ስጉምቲ ደገፍ ንሰራዊት ሱዳን ማለት ኣይኮነን’ውን ትብል።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ንሲቪካዊ ማሕበራት ሱዳን ዘሐይል 30 ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሎሚ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ቅጥዒ