ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰኔት ኣሜሪካ ንሕፀ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከ ኣፅዲቑ


ሰኔት ኣሜሪካ ፕረዝዳንት ጆ ባይደን ንሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ክኾኑ ንዝሓፀዩዎም ኣንቶኒ ብሊንከን ኣፅዲቑሎም።ብሊንከን ናይታ ሃገር ላዕለዋይ ዲፕሎማት ብምዃን ኣብ ዙሪያ ዓለም ምስ ብርክት ዝበሉ ብድሆታት ክገጥሙ እዮም።

ሰኔት 78 ብ22 ብዝኾነ ዘይሻራዊ ድምፂ ትማሊ ሰሉስ መዝነቶም ምስ ኣረጋገፀሎም ኣንቶኒ ብሊንከን መበል 71 ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኮይኖም ኣለው።

ብሊንከን ከም ሓዱሽ ኣንፈት ‘"ቀዳምነት ንኣሜሪካ’' ዝብል ፖሊሲ ወፃኢ ምምሕዳር ትራምፕ ብዙሓት ዴሞክራት ብሓጎስ ተቐቢሎምዎም ኣለው።

መራሒ ሰኔት ቻክ ሹመር ‘"ሚስተር ብሊንከን መሰላት ሃገራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ዳግም ንምስፋንን ናይ ኣሜሪካ ሓይሊ ዲፕሎማሲ ንምርግጋፅን ትኽክለኛ ሰብ እዮም’' ኢሎምዎም።

ብሊንከን ኣብ ካፒቶል ሂልን ኣብ እዋን ምምሕዳር ኦባማ ምኽትል ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ብምዃንን ኣብ ፖሊሲ ወፃኢ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ተመኩሮ ዝወነኑ እዮም።

ሪፓብሊካዊ ሰኔተር ራንድ ፖል ግን ሓዱሽ ፖሊሲ ኣይንፅበይን ይብሉ:: "ሚስተር ብሊንከን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ወታደራዊ ምትእትታው ንክህልው ንዕስራ ዓመታት ብምሉእ ዝደፍኡ ስለዝኾነ ሓዱሽ ፖሊስ ክንረክብ ኢና ኢልና ንርእስና ኣይነተዓሳሹ’’ ኢሎም።

ካልኦት ሪፓብሊካዊያን ሰኔተራት ግን ነቲ ሕፀ ደጊፎምዎ ኣለው።

ብሊንከን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕፅኦም ንምርግጋፅ ኣብ ሰኔት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ሕቶን መልስን ርክብ ኣሜሪካን ቻይናን ዝምልከት "ንቻይና ብፅኑዕ መርገፂና ምቕራብ ክንጅምር ኣለና።ብድኹም ክኸውን የብሉን’’ ምስ በሉ ‘’እቲ ፅቡቕ ዜና ድማ ከምኡ ናይ ምግባር ዓቕምና ኣብ ትሕቲ ቁፅፅርና ምዃኑ እዩ"ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ሰኔት ኣሜሪካ ንሕፀ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከ ኣፅዲቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:22 0:00


XS
SM
MD
LG