ዋሽንግተን —
ልኡኻት ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ሞስኮ ተራኺቦም ን30 መዓልታት ምቍራጽ ተጻብኦታት ኲናት ዩክሬን ክዝትዩ ምዃኖም ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣስፊሩ።
ብወገን ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ስቲቭ ዊትኮቭ ንሞስኮ ክጓዓዝ ምዃኑ ዋይት-ሃውስ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት “ኣብዚ ሰዓት’ዚ ልኡኻት ንሩስያ ይጓዓዙ ኣለዉ። ኣብ ሓጺር እዋን ምቍራጽ ተጻብኦታት ክብጻሕ ድማ ንትስፎ፡” ኢሉ።
እዚ ከምዚ እንከሎ ኣብቲ ኣብ ጅዳ ዝተኻየደ ዘተ ኣመሪካን ሩስያን ካብ መንጎ ሩስያውያን ተዛተይቲ ዝነበረን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ፑቲንን ዩሪ ኡሻኮ፡ “እቲ ግዜያዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንዩክሬን ሓይላ ክትኣኻኽብ ትንፋስ ዝህብ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ። እቲ ሩስያዊ ኣማኻሪ መርገጺ ሃገሩ ንኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ማይክ ዎልዝ ከም ዝገለጸሉ’ውን ሓቢሩ ኣሎ።
ሩስያ ብዛዕባ’ቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት ተጠራጣሪ መርገጺ ኣብ ዝሓዘትሉ፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድየር ዘለንስኪ ግን ነቲ መደብ ብሓጎስ ተቐቢሉዎ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድየመር ዘለንስኪ ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ንድፊ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብሓጐስ ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኲናት ሩስያን ንዩክሬን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022’ዩ ጀሚሩ።
ቅጥዒ