ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያንን ጀርመንን ሓድሽ ወታሃደራዊ ሓገዝ ንዩክሬይን ከምዝህባ ኣፍሊጠን


ብሪጣንያንን ጀርመንን ሓድሽ ወታሃደራዊ ሓገዝ ንዩክሬይን ከምዝህባ ኣፍሊጠን። ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ሎሚ ሶኑይ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ሪሺ ሱናክ ንምዝርራብ ኣብ ለንደን ኣትዮም ኣለው።

ፕረዚደንት ዘለንዝኪ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ "ናይ መሬትን ኣየርን ናይ ምክልኻል ዓቕምና ኣብ ምዕባይ ብሪጣንያ ብቐዳምነት ትስራዕ። እዚ ምትሕብባር ሎሚ እውን ክቕፅል እዩ። ምስ ዓርከይ ሪሺ ክራኸብ እየ። ገፅ ንገፅ ክንላዘብ ኢና’’ ኢሎም።

እቲ ሓድሽ ሓገዝ ብኣማኢት ዝቑጸር ሚሳይላት ምክልኻል ከምኡ እውን ነዊሕ ተጓዒዘን ዘጥቕዓ ድሮናትን ዘጠቓለለ እዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ሪሺ ሱናክ ኣብ ዘውጽእዎ መግለፂ ዩክሬን ኣብዚ ኲናት ተካይዶ ዘላ መኸተ ወሳኒ እዩ ኢሎም ።

ብኻልእ ዝተኣሳሰረ ዜና ጀርመን ንዩክሬን ሓድሽ ወታሃደራዊ ረድኤት ከም እትህብ ተመፃቢዓ። መራሒ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ በርሊን ቅድሚ ምቕባሎም ሓደ መዓልቲ ዩክሬን ኣንፃር ሩሲያ ንእተካይዶ ኲናት ናብ ሰለስተ ቢሊዮን ዶላር ዝፅጋዕ ወታሃደራዊ ሓገዝ ከምእትልግስ ኣፍሊጦም። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሩሲያ ኣብ ዩክሬን መብዛሕቲኡ ግዜ ንስቪላት ዒላማ ዝገበሩ መጥቓዕትታት ኣብ ዝቐፀለትሉ እዋን እዩ።

XS
SM
MD
LG