ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዛዕባ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ሶሪያ ምስ ሩሲያ ሃናፂ ዝርርብ ኣካይድና ኢሎም ጆን ኬሪ


Syria - Geneva Talks Kerry Lavrov
Syria - Geneva Talks Kerry Lavrov
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ኬሪ ምስ ናይ ሩሲያ መዘንኦም ሰርገይ ላቭሮቭ ናይ ሶሪያ ፕሮግራም ኬሚካላዊ ኣፅዋር ንኸብቅዕ ዝተኻየደ ዝርርብ ሃናፂ ነይሩ ኢሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሶሪያ ልኡኽ ላክዳር ብራሂሚ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ጄኔቭ ተራኺቦም ኣለው።ናይ ሶሪያ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ኣብ ትሕቲ ዓለምለኸ ቁፅፅር ብምውዓለ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ወታደራዊ መጥቓዕቲ ዝውገደሉ ኣገባብ ብሩሲያ ብዛዕባ ዝቐረበ ትልሚ ተዘራሪቦም።ኬሪ ምስ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንስግስታት ባን ኪ-ሙን ተራኺቦም ኣለው።

ኬሪ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ንሶምን ላቭሮቭን ኣብ ሶሪያ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ኩሎም ይዋግኡ ዘለው ሓይልታት ናብ ኮንፈረንስ ንምምፃእ ‘’ቤት ዕዮ’’ ዝበልዎ ንምስራሕ ተሰማሚዕና ኢሎም።‘’ክልቴና ቤት ዕዮና ብምስራሕ ሓፈሻዊ ጉብኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ከባቢ 28 መስከረም ኣብ ኒው ዮርክ ንምርኻብ ተሰማሚዕና ኣለና።’’ኢሎም።

ላቭሮቭ ብወገኖም ኣብ ናይ ሶሪያ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ኣወንታዊ ምዕባለ ምህላው ንፖለቲካዊ ስግግር መንገዲ ዝኸፍት እዩ ኢሎም።

ሶሪያ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ንዝእግድ ዓለምለኸ ስምምዕ ተቐቢለ ኣለኹ ምስበለት እንተኾነ ግን ብዛዕባ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ሓደ ወርሒ የድልየኒ እዩ ኢላ’ላ።
XS
SM
MD
LG