ዋሽንግተን —
ብሕክምና ንዝተፈቕደሉ ማሪዋና ሒዙ ብምርካቡ ኣብ ሩስያ ካብ ነሓሰ 2021 ኣትሒዙ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኣመሪካዊ ዜጋ ማርክ ፎጀል ናጻ ተፈቲሑ፡ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድማ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቤት መንግስቲ ተቐቢሉዎ።
ፎጀል ንምውጻኡ ጻዕሪ ዝገበሩ ወገናት ፕረዚደንት ትራምፕን ብምምስጋን፡ “ኣብ መሬት ዝነበር ዘሎ ዝዓበየ ዕድለኛ ሰብ ገይረ ንነብሰይ እርእያ፡” ክብል ሓጐሱ ገሊጹ።
ወሃብ-ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ፡ ምልቃቕ ናይቲ ኣመሪካዊ ዜጋ ኣካል ስምምዕ ክልተ ወገናት ምዃኑ ሎሚ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ነጊሩ። ካልእ ኣመሪካዊ ዜጋ’ውን ካብ ማእሰርቲ ሩስያ ሎሚ ረቡዕ ክልቀቕ ትጽቢት ከም ዘሎ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።
ኣማኻሪ ጸጥታ ምምሕዳር ትራምፕ ዝዀነ ማይክ ዎልዝ፡ “ምልቅቕ እሱራት ነቲ ክልተ ሃገራት ናብ ዘላቒ ሰላም ኲናት ዩክሬን ንምኻድ ዘርእየኦ ዘለዋ ኣተስፋዊ ተበግሶ” ክብል ገሊጹ።
ፎጀል ብቤት ፍርዲ ሩስያ ን14 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ዝነበረ’ዩ።
ቅጥዒ