ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ኣመሪካን ዝተመርሐ ንኲናት ዩክሬን ንምዕራፍ ዝዓለመ ርክብ ሎሚ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተቓኒዑ ኣሎ። እዚ ታሪኻዊ ርክብ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ነቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝቐረበ ኲናት ንምዕራፍ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ዩክሬን ግን ኣካሉ ኣይኰነትን።
ላዕለዎት መራሕቲ ኣመሪካ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ዩክሬን ንምዕራፍ ክልቲኦም ወገናት ሕድገት ክግብሩ ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሮም። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ልኡኻት ክልቲኦም ወገናት ዘካየድዎ ርክብ ፈላሚ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።
ብወገን ኣመሪካ ኣብቲ ጉጅለ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ማይክ ዎልዝን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮቭን ነይሮም። ካብ ተጋብእቲ እቲ ርክብ፡ ዊትኮቭ ንምንጭታት ዜና ከም ዝገለጾ፡ ዛጊት ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ዝራኸቡሉ ግዜ ፈልዮም ኣየቐመጡን።
ወሃቢት-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ታሚ ብሩስ፡ “ክልተ ወገናት ንምዝዛም እቲ ኲናት ብዘላቒ ዘዕርፍ መንገዲ ንምፍጣር ብጽቡቕ መንፈስ ርክብ ኣካዪዶም ኣለዉ፡” ኢላ። እታ ወሃቢት-ቃል ወሲኻ፡ ክልተኦም ወገናት ነቲ ኲናት ብዝቐልጠፈ ንምዕራፉ ዘለዎም ድሉውነት’ውን ኣመልኪቶም ኣለዉ።
ኣብቲ ኣብ መንጎ ክልተኦም ኣካላት ንልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ፈረቓን ዝተኻየደ ዘተ ብዙሓት ኣርእስታት ከም ዝተላዕሉን ብናጻ ከም ዝተዘተየሎምን ኣካል’ቲ ዝርርብ ዝዀነ ሩስያዊ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኡሻኮቭ ገሊጹ።
ሩቢዮ’ውን ሩስያ ብዛዕባ’ዚ ኲናት ንምዕራፍ ዘለዋ ድልውነት ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምኽታም እዚ ኲናት ድሌት ከም ዘለዋ ጠቒሱ።
ኣብዚ ዘተ ብዛዕባ ጸጥታ ዩክሬንን ዶባት ክልተ ሃገራትን ኣመልኪቶም ክዛራረቡ ምዃኖም ሮይተርስ ኣስፊሩ ኣሎ። ዩክሬን ኣካል’ዚ ርክብ ኣይኰነትን። እንተዀነ ኣስታት ሓደ ሕምሲት መሬታ ብሩስያ ተታሒዙ ከም ዘሎ’ዩ ሮይተርስ ይሕብር።
ብኻልእ መደብ፡ ዘለንስኪ ንረቡዕ ንሪያድ ክገይሽ መደብ ሒዙ ነይሩ። እንተዀነ ሎሚ ከም ዝገልጾ ናይ ሪያድ መንገሻኡ ን10 መጋቢት ኣሰጋጊሩዎ ኣሎ። ዘለንስኪ ኣስዒቡ ንሱ ዘይብሉን ምሉእነት ዘይብሉን ጉዳያት ክትግበር ከም ዘይደሊ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ዘለንስኪ ወሲኹ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም ንኽሰፍን፡ ኣመሪካውን ኤውሮጳን ኣካል’ቲ ዝርርብ ክዀና ከም ዝደሊ’ውን ሓቢሩ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ማይክ ዎልዝ ቀዲሙ እቲ ኲናት ክዓርፍ ከም ዘድሊ ይኣምን። ኲናት ደው ምስ በለ ብዛዕባ ዋንነት መሬት ዝርርብ ክቕጽል ምዃኑ ድማ ይነግር።
ብሕብረት ኤውሮጳን ዩክሬናውያንን ዝስማዕ ዘሎ ሻቕሎት መብርሂ ዝሃበ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣብዚ ከይዲ ዝተነጸለን ድሕሪት ዝተረፈን ወይ ድማ ክተርፍ ዝኽእልን ወገን የሎን ኢሉ። ሩቢዮ ኣስዒቡ፡ ድሕሪ ገለ እዋን ኵላቶም ሰብ-እጀታ ኣካል’ቲ ዝርርብ ክዀኑ ምዃኖም’ውን ጠቒሱ።
ወኪል ሩስያ ሓደ ኣብዚ ዘተ ካብ ዘቕረቡዎ ጠለባት፡ ዩክሬን ናብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንምሕዋስ ዘለዋ ጠለብ ምሉእ ብምሉእ ውዱቕ ክኸውን ዝብል’ዩ። ሕቶ ኣባልነት ኔቶ ተቐባልነት ከም ዘይህሉዎ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ብራስለስ ገሊጹ ነይሩ’ዩ። ፕረዚደንት ዘለንስኪ ግን ልኡላውነት ዩክሬን ክሕሎ እንተዀይኑ ሃገሩ ናብቲ ኪዳን ክትጽንበር ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ደጋጊሙ ክጠቅስ ጸኒሑ’ዩ።
ድሕሪ’ዚ ርክብ ከኣ ወሃቢት-ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማሪያ ዛክሮቫ፡ ሕቶ ዩክሬን ንኣባልነት ኔቶ ንዅሉ ግዜ ክስርዝ ኣዳልዪ ምዃኑ ንጋዜጠኛታት ገሊጻ።
ቅጥዒ