ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንሰሜን ኮርያ ኣብ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ምምላሳ ተገሊጹ


ምምሕዳር ፕረዝደንት ትራምፕ ስርዓት ኪም ጆንግ ንዘይሕጋዊ ምምዕባል ኑክሌርን ባለስቲክ ሚሳይላትን ደው ንኸብልን ንዓለምለኸ ግብረ ሽበራ ኹሉ ዓይነት ደገፍ ከቋርጽን ንምግዳዱ ዝለዓለ ወፍሪ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝተተግበረ ተሪር ማዕቀባት ኢኮኖሚ ብተወሳኺ እታ ሃገር ግብረ ሽበራ ኣብ ዝምውላ ዝርዝር ሃገራት’ውን ክትኣትው’ያ ኢሎም። እዚ ተሪር ግን ኸአ ሰላማዊ ወፍሪ ምስታ ሃገር ውዕላት ንዘለዎም ሳልሳይ አካል’ውን ክትንክፍ ይኽእል’ዩ ክብሉ ሚንስት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን ገሊጾም።

ሰሜን ኮርያ ክሳብ’ቲ ኣብ 2008 ዓ.ም ፕረዝደንት ጆርጅ ቡሽ ዘልዕልዎ ን20 ዓመታት ኣብ ዝርዝር’ቲ ናይ ኣሜሪካ መዝገብ መወልቲ ግብረ ሽበራ ዝኾና ሃገራት ኔራ’ያ። እዚ ኸአ አካል’ቲ ንወሽመጥ ኮርያ ካብ ኑክሌር ነጻ ንምግባር ዝግበር ዝነበረ ዓለምለኸ ጻዕሪ’ዩ ኔሩ ግን እዚ ጻዕሪ ፈሺሉ’ዩ ይብሉ ሚንስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG