ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ጆርጅ ሳንቶስ ተኣሲሩ፣ ጸኒሑ ብዋሕስ ተፈቲሑ


ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ጆርጅ ሳንቶስ -ፋይል
ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ጆርጅ ሳንቶስ -ፋይል

ካብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝዀነ፡ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ጆርጅ ሳንቶስ፡ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ብዝግበሮ ምጥፍፋእ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቀይዲ ምውዓሉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ንኽፈለ-ሃገር ኒው-ዮርክ ዝውክል ሳንቶስ፡ ኣብ እዋን ምርጫ ብዝተገብረሉ ናይ ገንዘብ ኣበርክቶ፡ ናብ ገዛእ መዓላኡ ብምቕናዕ ኣዝዩ ክቡር ንብረት ብምግዛእን ካልእ ዕዳታት ኣብ ምኽፋልን ከም ዘውዓሎ ነቲ ማእሰርቲ ትእዛዝ ዝሃበ ኣኽባር ሕጊ ኒው-ዮርክ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ባይቶ ኣመሪካ ዝተጸንበረ፡ ኣብ ብራዚል ተወሊዱ ዝዓበየ ሳንቶስ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዘርኣዮ ተደጋጋሚ ምጥፍፋእን ምስሩሕ ታሪኽን ኣደዳ ከቢድ ነቕፌታ ኰይኑ፡ ካብ መዝነቱ ክወርድ ጸቕጢ ክግበሮ ጸኒሑ’ዩ። ሳንቶስ ፈጺሙዎ ዝብሃል መብዛሕትኡ ናይ ገንዘብ ምጥፍፋእ እንኮላይ ኣብ ብራዚል እንከሎ ዝሓወሰ’ዩ።

ሳንቶስ ንምርጫ ኣብ ዝወዳደረሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዛዕባ ነብሱ ዝበሎን ሰሪሕዮ ኢሉ ዝተዛረቦምን መብዛሕትኡ ሓሶት ኰይኑ ምጽናሑ ጸኒሑ ተገሊጹ’ዩ።

ድሒሩ: ጆርጃ ሳንቶስ 500-ሽሕ ዶላር ዋሕስ ብምግባር ካብ ማእሰርቲ ተለቒቑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG