ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ኩነታት ለውጢ ኣየር ካብ ቀዳምነት ፖሊስ ወጻኢኣ ምዃኑ አረጋጊጻ


ኣሜሪካ ቅድሚ እቲ ዝቕፅል ጉባኤ ኩነታት ለውጢ ኣየር ቀንዲ ጉዳይ ወፃኢ ፖሊስ ገይራ ከምትሕዞ ኣረጋጊፃ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣሜሪካ ኣብ ምምዕባል ፈጠራ ወይ ምህዞ ተሓዳሲ ሓይሊ ብቻይና ትቕደም ኣላ ኢሎም።

ዋይት ሃውስ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ናይ መራሕቲ ጉባኤ ኩነታት ኣየር ኣሜሪካ ንለውጢ ኩነታት ኣየር ምቅላስ ዝለዓለ ውራይ ፖሊሲ ወፃኢኣ ከምእትገብር ኣረጋጊፃ።

ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ብቅድሚ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ምህዞ ምምዕባል ተሓዳሲ ሓይሊ ወይ ፀዓት ኣሜሪካ ደድሕሪ ቻይና ትስዕብ ኣላ ኢሎም።

ንለውጢ ተሓዳሲ ፀዓት ምምራሕ እንተዘይክኢልና ምስ ቻይና ነካይዶ ስትራተጂያዊ ውድ ድር ዩናይትድ ስቴትስ ክትስዕር እያ ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ እዩ ኢሎም ብሊንከን። "ኣብዚ ሕዚ እዋን ድሕሪት ተሪፍና ኣለና’’ ዝበሉ ንሶም "ቻይና እታ ዝዓበየት ኣፍራይትንኣውፋሪትን ፓኔላት ፀሓይ ሓይሊ፣ናይ ንፋስ ሓይሊ መመንጨዊ፣ባትሪታት፣ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽክርከርቲ እያ’’ ኢሎም።

ካብ ናይ ዓለም ናይ ተሓዳሲ ፀዓት ፓተንት ወይ ወነንቲ ፍቓድ ሲሶ ትውንን ከምዘላን እንተድኣ ዘይተዓፃፂፍና ኣሜሪካ ናትና ድልየትን ክብርታትን ብዘንፀባርቕር መልክዑ ኩነታት ኣየር ዓለም ናይ ምቕራፅ ዕድል ክትስእን እያ ኢሎም።በዚ ድማ ማእለያ ዘይብሉ ዕድላት ስራሕ ኣሜሪካዊያን ክንቐብፅ ኢና እዮም።

ብሊንከን መራሕቲ ዓለም ኩነታት ኣየር ንምቕልባስ ንምዝታይ ኣብ ዝቀራረብሉ ቅድሚ ሰለስተማዕልታት ኣብ Chesapeake BayFoundation ኣናፖሊስ ሜሪላንድ ኣብዘስምዕዎ መደረ እዮም ነዚ ዝገለፁ።

ብመሰረት ምንጭታት ዲፕሎማሲ ናይ ቻይና ፕሬዝዳንት ሺን ዢንግፒንግ መደረ ከስምዑ ተጋቢዞም ኣለው።

ናይ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኩነታት ኣየር ዝኾኑ ጆን ኬሪ ምስ ሰበስልጣን ቻይና ድሕሪ ምርኻቦም ኣሜሪካን ቻይናን ኩነታት ኣየር ንምቁፅፃር ብዛዕባ ዝውሰዱ ስጉምትታትት 17 ሚያዚያ ሓባራዊ መግለፂ ኣውፂአን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ኣሜሪካ: ኩነታት ለውጢ ኣየር ካብ ቀዳምነት ፖሊስ ወጻኢኣ ምዃኑ አረጋጊጻ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:07 0:00


XS
SM
MD
LG