ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱማሊያ ብጠንቂ ዓፀቦ ዝጠፍአ ብዙሕ ህይወት ከምዘሕዘና ኣሜሪካ ገሊፃ


Patrick Ventrell
Patrick Ventrell
ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ሱማሊያ ኣብዝሓለፈ ብዝነበረ ዓፀቦ ህይወት ከባቢ 260 ሽሕ ምጥፍኡ ኣዚያ ሓዚና ክብሉ ሓደ ወሃቢ ቃል ተሓባባሪ ምኽትል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ገሊፆም።

ወሃቢ ቃል ተሓባባሪ ምኽትል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፓትሪክ ቬንትረል ኣብ ሱማሊያ ኣብ 2011ን 2012ን ኣ/ፈ ብዝተልዓለ ዓፀቦ ዝበፅሐ ምጥፋእ ህይወትን ናይ ደቂ ሰባት ስቅያትን ዩናይትድ ስቴትስ ኣዝያ ምሕዛና ገሊፆም።መንቀሊ ናይዚ ኣዕናዊ ኣጋጣሚ ዝተሓላለኸን ካብ ሕፅረት ማይ ዝዘለለ ኢኮኖሚያዊ፣ፖለቲካዊ፣ናይ ፀጥታን ማሕበራውን ጉዳያት ከምዘጠቓልል ዘርዚሮም።

እቲ ብሕፅረት ምግብን ዓፀቦን ኣዐሪዩ ዝተጠቕዐ ናይ ሱማሊያ ከባቢ ብቐንድነት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣል-ሸባብ ዝነበረ ከባቢ ምዃኑ ብምግላፅ ከምዚ ኣል-ሸባብ ዓሰርተታት ሰብኣዊ ትካላት ህይወት ኣድሕን ሓገዛ ንኸየቕርቡ ምእጋድ ሓዊሱ ቅድምን ኣብ እዋን እቲ ዓፀቦን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ከባቢ ንኸይኣቲ ኢሰብኣዊ ኽልከላ ገይሩ ኢሎም።ኣስዒቦም ‘’ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዙሕ ህይወት ንምትራፍ ብህፁፅ ምላሽ ንኽየህቡ ዕንቅፋት ኮይኑዎም እዩ።ዝተጠቕዑ ሰባት ኣል-ሸባብ ካብዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ወፂኦም ኣብ ካሊእ ሓገዝ ንኸይረኽቡ’ውን ኸልኪሉዎም እዩ።’’

ኣብ ልዕሊ ኣል-ሸባብ ዘንበርዎ ማዕቐብ ንዝህቢ ዝውሃብ ረድኤት ናብቲ ከባቢ ንኸይበፅሕ ከምዘይኣገደን የግዳስ ዩናይትድ ስቴትስ ሓገዝ ንዘድልእዮም ሱማሊያዊያን ዝውዕል ናይ 360 ሚሊዮን ዶላር ህይወት ኣድሕን ረድኤት ሂባ፤እቲ ሓገዝ ኣብ ቲሕቲ ቁፅፅሩ ናብዝነበሩ ከባቢታት ንኸይኣቲ ዝገበረ ኣል-ሸባብ ምዃኑ ወሲኾም ሓቢሮም ቬንትረል።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ትካል ቅድመ መጠንቀቕታ እቲ ቅልውላው ይዓቢ ከምዝነበረ ሓበሬታ ከምዝነበሮን ዩናይትድ ስቴትስ ዝግባእ ምላሽ ንምሃብ ፃዕርታት ከምዝገበረትን ወሲኾም ገሊፆም።

እቲ ቅድመ መጠንቀቕታ ሰሪሑ እንተዝነብር እዚ ኹሉ ህይወት ክጠፍእዶ ነይሩዎ ዝብል ተሓቲቶም ብዝጠፍአ ህይወት ንሓዝን ግን ድማ ብዙሕ ህይወት እውን ካብ ሞት ተሪፉ እዩ ኢሎም።
XS
SM
MD
LG