ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ከም ኣካል ግብረ-መልሲ መጥቃዕቲ ኣል-ሸባብ ደብዳብ ሓይሊ ኣየር ተሐይል


ካብ ፈነወ ኣል-ኑስራ ዝተወስደ ምስሊ አቡ ፋርስ ሳቡሪ ወሃቢ ቃል ግንባር ኣል-ኑስራ አጋር ኣል-ዒቓዳ ኣብ ሶርያ
ካብ ፈነወ ኣል-ኑስራ ዝተወስደ ምስሊ አቡ ፋርስ ሳቡሪ ወሃቢ ቃል ግንባር ኣል-ኑስራ አጋር ኣል-ዒቓዳ ኣብ ሶርያ

ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቀስ ጉጅለ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ኣሜሪካ ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ኣየር ከተካይድ ደሪኽዋ’ሎ።

እቲ ካብ ወታሃደራት ሶማልን ሰራዊት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ጸቕጢ ዘጋጠሞ እስላማዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ፡ ዳግመ መጥቃዕቲ ክገብር ተገዲዱ`ሎ።

ጀነራል ዴቪድ ሮድሪጋዝ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ እዚ ኩነታት ከምዚ ይብል።

‘እቲ ዝክተልዎ ኣገባብ ዝተወሰነ ቁጽሪ ሰባት ይእክቡ’ሞ ብሓባር ስልጠና ይህብዎም ካብኡ ናብ ዝተፈላለየ ቦታ ይብትንዎም። እቲ ትኩረትን መጥቃዕቲ ሕጂ ኣብ ሓንቲ ካብዘን ሰራዊት ዘበርከታ ሃገራት ዘለወን መዓስከራት’ዩ።’

ንሶም ብተወሳኺ ኣብቲ ሓደገኛ ዝተባህለ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተካየደ መጥቓዕቲ ሰራዊት ኣል-ሸባብ ንመደበር ሰራዊት ኬንያ ብምጥቓዕ ኣስታት 200 ሰራዊት ቐቲሎም`ዮም።እዚ ድማ ነተን ሰራዊት ዘበርክታ ሃገራት ብኣሉታ ጸልይወን’ዩ ምክንያቱ ብዙሕ ቁጽሪ ሰራዊት ብዝተፈላለየ ዓይነት መጥቓዕትታት ስለዝሰኣና ኢሎም።

ይኹን ደአ እንበር እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝኽተሎ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ንመጥቃዕቲ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ከምዘቃልዖ እዞም ኣመሪካዊ ኮማንደር ይገልጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ካብ ሞቃዲሾ ንሰሜን 195 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ብዘካየዶ መጥቃዕትታት 150 ሓደሽቲ ሰልጠንቲ ሰራዊት ኣል-ሸባብ ምቕታሉ ተገሊጹ`ዩ።

ብተወሳኺ ብዝተረኽበ ዝሓሸ ሓበሬታ ዝተካየደ ካልእ መጥቓዕቲ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ መራሒ ጸጥታን ሓበሬታን ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቀስ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ዝርከብዎም ዕጡቓት ምቕታሉ’ውን ይፍለጥ።

ብተመሳሳሊ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ /IMF/ ሶማል ምስ ዓለምለኸ ፋይናንሳዊ ትካላት ዘለዋ ርክባት ንምምሕያሽ ስጉምትታት ብምውሳዳ ኣብ ምዕባልኣ ኣብ ኣገዳሲ ምዕራፍ በጺሓ’ላ ክብል ገሊጹ።

ብሮገሪዮ ዛንዳሜላ ዝምራሕ ልኡኽ IMF ምስ ሰበስልጣን ሱማል ኣብ ናይሮቢ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ኣኼባ ምኽያዱ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣሜሪካ፡ ከም ኣካል ግብረ-መልሲ መጥቃዕቲ ኣል-ሸባብ ደብዳብ ሓይሊ ኣየር ተሐይል
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:16 0:00


XS
SM
MD
LG