ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ካብ ውዕል ምስ ኢራን ከምዝሳሓበት ፕረዚደንት ትራምፕ ኣፍሊጦም


President Donald Trump
President Donald Trump

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ‘ኣሜሪካ ካብ’ቲ ምስ ኢራን ዝተኸትመ ዓለም ለኸ ውዕል ንክትስሕብ ወሲኖም’።

እቲ ንምህናጽ ንዩክለር ኢራን ንምቁጽጻር ዝዓለመ ውዕል ‘ኣዕናዊ ውዕል’ ኢሎም ክገልጽዎ ከለው ‘እቲ ውዕል ንቴህራን ኣጽዋር ንዩክለር ንከይትሃንጽ ክእግዳን ንዓለምና ካብ ሓደጋ ከየውድቓ ኣይከላኸልን’ ኢሎም።

ትራምፕ ወሲኾም ‘ኣብ ልዕሊ ኢራን ጽኑዕ ቁጠባዊ እገዳ ከምዘንበሩ’ ገሊጾም።

‘እታ እስላማዊት ሪፐብሊክ ኣብ ሶርያ፣ የመንን ካልእ ከባቢን ቦልስቲካዊ ሚሳይል ንከይትፍትን መታን ምስ ኣውሮጳዊያን መሻርኽትና ፈቲና ኢና’ ዝበሉ መራሒ ኣሜሪካ ‘ኢራን ግና ኣብ ሓድሽ ጽምዶ ክትኣቱ ቅርብቲ ኣይኮነትን’ በሉ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ዴሞክራሲያዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ንውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ክነቕፉ ከለው ሪፐብሊካዊያን ኣባላት ኮንግረስ ግና ደገፎም ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG