ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ፑሊዘር 2022 ተኻዪዱ


ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ዝዓበየ ሽልማት ምዃኑ ዝንገረሉ ዓመታዊ ሽልማት ፑሊዘር 2022 ትማሊ ሰኑይ ተኻዪዱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ንህዝቢ ብዝገብሮ ኣገልግሎትን ብብሉጽ ስእሊን ክልተ ሽልማታት ወሲዱ። ነቲ ዓቢ ሽልማት ዝበቕዐት ስእሊ ኣብ ማሪፖል ዩክሬን ዝተወሰደት ክትከውን እንከላ፡ እታ ስእሊ ነቲ ብሩስያ ዝቐርብ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ምቅላዕን ናብ ማሪፖል ሰብኣዊ ኮረዲዮ ኣብ ምኽፋት ተራ ምጽዋታን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ።

ጋዜጣ ሎስ-ኣንጀልስ ታይምስ’ውን፡ ኣብ ምድብ ዜና ክትሽለም እንከላ፡ እታ ንሽልማት ዘብቅዐት ዜና ድማ ኣባላት ባይቶ ከተማ፡ ኣብ ዕጹው ኣኼባ፡ ንጸለምቲ ዘነኣእስ ዓሌታዊ ጸርፊ ዘቃልዐት’ያ ነይራ።

ብመርማሪ ጋዜጠኝነት (investigative reporting) ዝተሽለመት ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ዘሎ ኣገባብ ወፍሪ ትምርምር’ያ።

XS
SM
MD
LG