ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውጽኢት መባእታዊ ምርጫ ኣሜሪካ


ትማሊ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ምዕራብ ቨርጂንያ ዝተኻየደ መባእታዊ ምርጫ ንፕረዝደንትነት ኣሜሪካ በርኒ ሳንደርስ ካብ ፓርቲ ዲሞክራት ተዓዊቶም፡ ኣብቲ ውድድር ድማ ክቕጽሉ ምኳኖም ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ናይ ትማሊ መባእታዊ ምርጫ በርኒ ሳንደርስ ብ51 ሚእታዊት ድምጺ ክዕወቱ ከለዉ ተቐናቓኒቶም ተወዳዳሪት ሂላሪ ክሊንተን ድማ 36 ሚእታዊት ድምጺ ረኺበን።

እዞም ሰነተር ክፍለ-ግዝኣት ቨርሞንት ዝኾኑ ሕጹይ ተወዳዳሪ ትማሊ ሶሉስ ኣብታ ዝመጽእ ሰሙን ምርጫ ዝካየደላ ክፍለ ግዝአት ኦሪገን ንዝተረኽቡ ደገፍቶም ክሳብ መወዳእታ እቲ ውድድር ቃልሶም ከምዝቕጽሉ ገሊጾምለው።

መልእኽትና ነቶም ኣብ ፊላደልፍያ ዝእኸቡ ፍሉያት ልዑኻት ፓርቲ ዲሞክራት ዋላዃ ምስ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ነበር ሂላሪ ክሊንተን ብዙሕ ዘየሰማምዑ ነጥብታት እንተለውና ኣብ ሓደ ነጥቢ ንሰማማዕ ኢና ንሱ ድማ ዶናልድ ትራንፕ ክሰዓር ኣለዎ ኣብ ዝብልዩ።

ሂለሪ ክሊንተን ሕጽይቲ ፓርቲ ንምዃን ካብ ዘድልይ ድምጺ 2,383’ቲ ዝበዝሐ ድምጺ ብምርካብ ንመወዳደርተን በርኒ ሳንደርስ መሪሓን ኣለዋ።

ብተመሳሳሊ ካብ ፓርቲ ሪፖብሊካን ብዘይዝኾነ ተቐናቓኒ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ናይ ትማሊ ኣብ ምዕራብ ቨርጂንያ ዝተኻየደ መባእታዊ ምርጫ ተዓዋቲ ኮይኖም ኣለው።

ዘመተ ምረጹኒ ዶናልድ ትራፕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ናይ ትማሊ ዓወት ዓቢ ክብሪኢሉ ድሕሪ ምግላጽ ዶናልድ ትራንፕ ነተን ኣብ ናይ ትማሊ ምርጫ ዝተዓወቱለን ክልተ ክፍለ-ግዝኣታት ኣብቲ ጠቕላላ ምርጫ ንፕረዝደንት ኣሜሪካውን ክዕወቱለን ተስፋ ከምዝገብሩ ገሊጾምለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ውጽኢት መባእታዊ ምርጫ ኣሜሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:50 0:00

XS
SM
MD
LG