ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መባእታዊ ፕረዚደንታዊ ውድድር ደምበ ዴሞክራሲያዊን ረስኑ ይውስኽ ኣሎ


ኣብ’ቲ ትማሊ ሰሉስ ዝተካየደ መባእታዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫታት ኣሜሪካ፣ ሚኒስትር ወፃኢ ነበር ሂለርይ ክልንትን ኣብ ኬንታክይ ብፀቢብ ኣፈላላይ፣ ሴነተር በርንይ ሳንደርስ ድማ ኣብ ኦሪገን ብሰፊሕ ኣፈላላይ ተዓዊቶም። ብመሰረት’ዚ ሂለርይ ክልንትን ናይ ፓርተን ሕፅይቲ ንምኻን ዳርጋ ይቀራረባ ኣለዋ።

ዝበዝሕ ድምፂ ኣብ ኬንታክይ ተቆፂሩ’ሎ፣ ክልንትን ንሴነተር በርንይ ሳንደርስ ብኣስታት 2000 ድምፂ ይመርሓ’ለዋ። ሰበ-ስልጣን ምርጫ ኬንታክይ፣ ንውፅኢት’ቲ ምርጫ ዕላዊ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ክብሉ ከለው፣ ሂለርይ ክልንትን ግና ተዓዊተ’ለኹ ይብላ።

ትማሊ ምስ ደገፍቶም ዝተራኸቡ በርንይ ሳንደርስ ብወገኖም፣ ውፅኢት ኬንታክይ ማዕረ ዓወት’ዩ ኢሎም ይትርጉምዎ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንህዝቢ ኬንታክይ ከምስግን ይደልይ’የ። ኣብ ከምዚ ዝኣምሰለ ዝተቀራረበ መባእታዊ ምርጫ፣ ብዙሕ’ዃ ሕጉስ እንተዘይኮንኩ፣ ፀግዒ ዘይፈለዩ መረፅቲ ዝተገለልሉ’ዃ እንተኾነ፣ ሚኒስትር ወፃኢ ሂለሪ ክልንትን ቅድሚ 8 ዓመት ንበራክ ኦባማ ብ250 ሽሕ ድምፂ ብልጫ ኣብ ዝሳዓራሉ ግዝኣት ኬንታክይ፣ ማዕረ ማዕረ ሚእታዊ ተኻፊልና ኣለና’ ኢሎም ንሶም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ሰነተር በርንይ ሳንደርስ፣ ኣብ ምርጫ ኢሪገን ተዓዊቶም ኣለው።

ቀፃላይ ምርጫ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣብ ቨርጂን ኣይላንድ፣ ፖርቶሪኮን ሰነ 4 ን 5ን፣ ሰነ 7 ድማ ኣብ ሽዱሽተ ክፍላተ ግዝኣታት ክኾን’ዩ። ካብ’ዚ ደምበ’ዚ ዝተዓወተ/ት፣ ኣንፃር ሕፁይ ሪፐብሊካዊያን ዶናልድ ትራምፕ ዝመፅእ ሕዳር ክወዳደር’ዩ/ክትወዳደር’ያ።

XS
SM
MD
LG