ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካውያን ናብ ምርጫ ይውሕዙ‘ለው


ኣሜሪካውያን መረፅቲ ካብ ቅድሚ ሰዓታት ጀሚሮም ናብ ነቁጣታት ምርጫ ይውሕዙን ንቀፃላይ ፕረዚደንቶም የድምፁን ኣለው።ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ስልጣኖም ክቅፅሉ ድዮም፣ወይካኣ ንሚት ራምንይ ዕድል ይዋሃቦም?ብይን ክህቡ‘ዮም።

ድሕሪ ዓመትን ፈረቃን ወፍሪ ምርጫ፣ሰለስተ ፕረዚደንታዊ ክትዓትን ኣሻሓት ናይ ቴሌቭዥን ማስታወቅያታትን፣ሃገራዊ ቅድመ-ምርጫ ሪኢቶ ህዝቢ፣ክልቲኦም ተናሓናሕቲ ኣድጊን በቅሊን ከምዝኾኑ ይሕብር።

እቲ ሪኢቶ ህዝቢ ፕረዚደንት ኦባማ፣ኣብ‘ተን ገና ዘይፈለየለን ክፍላተ-ግዝኣታት ብፀቢብ ብልጫ ከምዝመርሑ‘ውን የርኢ።

ኣብ‘ዚ ፕረዚደንታዊ ውድድር፣ሓደ ሕፁይ ናብ ዓወት ንምብፃሕ 270 ካብ 538 ድምር ድምፂ (Electoral Votes) ክረክብ ኣለዎ።

ብዘይካ ፕረዚደንታዊ ውድድር፣ኣሜሪካውያን ን435 ኩሎም ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲን ን33 ኣባላት ሴኔትን ክመርፁ‘ዮም።ተንተንቲ ከምዝብልዎ፣ሪፐብሊካዊ ፓርቲ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ፣ዴሞክራስያዊያን ድማ ንሴኔት ክቆፃፀሩ‘ዮም ዝብል ገምጋም ይህቡ።

ሚልዮናት ኣሜሪካውያን ዛጊድ መሪፆም‘ለው።ሎሚን ኣብ ቅድመ-ምርጫን። መብዛሕተኦም ዜጋታት ግና ሎሚ ሰሉስ‘ዮም ክመርፁ።

ውፅኢት ምርጫ ካብ ድሕሪ ሰዓታት ጀሚርና ክንገልፀልኩም ኢና።
XS
SM
MD
LG