ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ፅባሕ ሰሉስ ክካየድ‘ዩ


ነቊጣ ምርጫ
ነቊጣ ምርጫ
ነዊሕን ፅኑዕ ክትዕን ዝተካየደሉ ፕረዚደንታዊ ውድድር ኣሜሪካ ናብ ፍፃሜ ይቃረብ‘ሎ።ክልቲኦም ተወዳደርቲ ንሙሉእ ሃገር ኣባፂሖም፣ሎሚ ምሸት ወፍሮም ክዛዝሙ‘ዮም።

ጎሮሮ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ብፃዕቂ ዓዋታ ላሕቲቱ።ኣብ መዓልቲ ምርጫ ምሳይ ኩኑ ኢሎም‘ውን ንደገፍቶም ተማሕፀኑ።

“ንቅድሚት ነዊሕ ስለዝመረሽና፣ንድሕሪት ምምላስ ዝምረፅ ኣይኮነን። ንቅድሚት ነዊሕ ስለዝተጓዓዝና፣ክንርብርብ የብልናን።ጊዚኡ ንቅድሚት ንምርሸሉ ጊዜ‘ዩ” ኢሎም ፕረዚደንት።

ተናሓናኢኦም ሚስተር ራምንይ ብወገኖም፣ንዝፈሸለ ስራሕቲ ለውጢ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዝትክእ ኣድልዩዋ‘ሎ ኣሜሪካ ምስ በሉ፣

“ኣይዋ ተድልየኒ‘ያ።ኣብ ኣይዋ ምስ ንዕወት፣ኣብ‘ዚ ምርጫ ክንዕወት፣ንዋይት ሃውስን ንኣሜሪካ መሊስና ክንቅበልን ኢና” ኢሎም።

ክልቲኦም ተወዳደርቲ ንሎሚ ሶኒ ዘለዎም መደባት፣ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ዊስኮንስን፣ኣይዋን ኦሃዮን ወፍሪ ምርጫ ኣካይዶም ናብ መንበሪኦም ቺካጎ ክምለሱ‘ዮም።ሚስተር ሚት ራምንይ ብወገኖም፣ኣብ ቨርጅንያ፣ኦሃዮን ኒውሃምፕሸርን ወፍሪ ኣካይዶም፣ናብ መንበሪኦም ዝከበሉ ክፍለ-ሃገር ማሳቹሰትን ኣትዮም ንውፅኢት ምርጫ ክከታተሉ‘ዮም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኩሎም 435 መናብር ቤት ምኽሪ ወከልቲን 33 መናብር ሴኔትን ዩ-ስ፣ዝውስን ምርጫ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምዝሳለጥ‘ውን ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:55 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG