ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንታዊ ወፍሪ ምርጫ ኣሜሪካ ይረስን‘ሎ


 ሚት ራምንን በራክ ኦባማን
ሚት ራምንን በራክ ኦባማን
ወፍሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ናብ ዛዛሚ ምዕራፍ ኣብ ዝኣተወሉ ወቅቲ፣ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ገና ዘይፈለየላ ክፍለ-ግዝኣት ኣይዋ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ይገብሩ‘ለው።

ሎሚ ኣብ ዳቨንፖርት ዝኣተው እቶም ፕረዚደንት፣ንመናሕንሕቶም ሚት ራምኒ - ራምነዥያ - እናበሉ - ናይ ምርሳዕ ሕማም (ኣምነሽያ) የጋፍሑ‘ለው ኢሎም ወቂሶምዎም።ሪፐብሊካዊ ሕፁይ ሚት ራምንይ፣ኣብ ገዘፍቲ ኣጀንዳታት፣መርገፂኦም ይቀያይሩ‘ለው፣ህዝቢ ድማ ነቲ ኣቀዲሞም ዝበልዎ ንከይዝክር ሕማም-ምርሳዕ የጋፍሑ‘ለው ኢሎምዎም።

እንተኾነ፣ንሕዱር ሕማም ዝፍውስ፣ሕጊ ኦባማኬር ኣሎ‘ዩ‘ውን እናበሉ የላግፅሎም ቀንዮም‘ለው ሚስተር ኦባማ ንሚስተር ራምኒ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ሚስተር ራምኒ ኣብ ኔቫዳን ኣይዋን፣ከምኡውን ኣብ‘ታ ኣዝያ ኣገዳሲት ትባሃል ኦሃዮ ሎሚ ወፍሪ ከካይዱ‘ዮም።

ሪፐብሊካዊ ሕፁይ ሚስተር ራምኒይ፣ትማሊ ሰሉስ ኣብ ላስቪጋስ ኣብ ዘካየድዎ ወፍሪ፣ንመደባት ፕረዚደንት ኦባማ ኣነኣኢሶምዎ‘ዮም።

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ንክካየድ ዝተረፎ ጊዜ፣፲፪ መዓልታት ጥራሕ‘ዩ።
XS
SM
MD
LG